Tlmi Nzeri Krdad ’ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’
Physical Details of The Book:
Size: 8.5 X 5.62 inches
Weight : 770 grams
Pages: 622 Pages
ቀንዴል እቲ ድፉን ውሻጠ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’፤ ውህሉል ኣበርክቶ ደምበ ኣለና ኢያ። እዛ ታሪኻዊት መጽሓፍ’ዚኣ 16 ምዕራፋትን ነታ ቅድሚ 39 ዓመታት ብወርሒ መስከረም 1973 ዓ.ም.ፈ. ባዕሉ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፋን ምስኡ ጥራይ እትርከብን መጽሓፍ “መንካዕ” ተኾልኲላ ኢያ ትዝርጋሕ ዘላ። ጽባሕን ደሓርን ነናተን ሽግራት ተሰኪመን ስለዝመጻ። ታሪኽና ንሎሚ እምበር ንደሓር ወይ ንጽባሕ ኢልካ ምጽባይ ኣየድልን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝተላእኮ ዕላማ ኢዩ ዘተግብር ዘሎ። ንሕና ‘ውን ዕላማ ኣሎና፤ ነቲ ብሰንኪ ህግደፍ እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወለዶታት ጋግ፤ ሎሚ ንከነጽብቦ ብታሪኽ ንሕተት ኣሎና፣
ዕላማ እዚ ጽሑፍ ‘ ዚ ንስም፤ ንንግዲ ወይ ገንዘብ ንምኽዕባት ዘይኮነስ እቲ ፎእ ታሪኽ ገበነኛ ኢሳይያስን ጉዕዞ ህግደፍን ብንጹር መልክዕ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕራብ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እነሃ እዛ ብኣባላት ደምበ ኣለና ንሰለስተ ዓመታት ዝጸዓርናላ በኹሪ ታሪኻዊት መጽሓፍ ናይ መሕተሚ ዋጋኣ ንምሽፋን ነቶም ካብ ሙሉእ ዓለም ብኦንላይን ዓደግቲ ብ$40 ዶላር ካናዳ ጥራይ ናብ ዕዳጋ ወሪዳ ኣላ:: ከምቲ ነጋዶ “መኽሰብና ዕግበት ዓማዊልና” ዝብልዎ፤መኽሰብ ደምበ ኣለና ድማ፤ ሓርነትን ራህዋን ህዝብና ጥራይ ኢዩ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኹም ግዱሳት ዓደግቲ ኣድራሻኹም እንተሰዲድኩምልና ብቅልጡፍ ክንልእከልኩም ኢና።።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!
How To Buy Online
Regular Price for on line buyers: $40.00 CDN.
Interesting in buying this book. Then please send us your shipping address and we will send you the book. Then pay with our online secure payment gateway and we will ship you next business day.
You can contact us by using our Contact Us page or by alena@alenaforever.org.
If you received the regular total price ($40.00 CDN) from us, click here to buy the book through online.
You may pay by PayPal or Credit Card.
ክቡራት ዓደግቲ! ናይ ዕዳጋ ምዝብራቕ መታን ከይመጽእ ዝርዝር ዋጋታት መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኣብ ድኳናት (መኽዘናት) ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፦
ኣብ ምሉእ ካናዳ 25 ዶላር ካናዳ
ኣብ ምሉእ ሃገር ኣሜሪካ 30 ዶላር ኣሜሪካ
ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ 25 ዩሮ
ኣብ እስራኤል $35 ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፤ ኣፍሪቃ ኤስያን ኣውስትራያ፤ እትነብሩ ዓደቲ ነናብ ዘለኹሞ ከተማታት ንክንሰደልኩም ኢመይል ግበሩልና።። ብኦን ላይ ን $40.00 ካናዳ






