Welcome to Our  Website: AlenaForever.org. This is the official web site of FatherLand Front for the Liberation of Eritrea.
ኣብዚ ገጽ እዚ ሰለስተ ዓበይቲ ሰነዳት ጉባኤ ኣለዉ።
1. ቅዋም ግንባር ዓደቦ
2. ፕሮግራም ግንባር ዓደቦ
3. ኣዋጅ ምስረታ ግንባር ዓደቦ.

 
እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ወግዓዊ ወብ ሳይት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኢዩ። جبهة ارض الجداد لتحرير ارتريا

ደምዳሚ ኣዋጅ!

          ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራجبهة ارض الاجداد لتحرير لاارتريا              

                   FatherLand Front for the Liberation of Eritrea 

                       ቅዋም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ! 

 እዚ ቅዋም’ዚ ንክልተ ዓመታት ንከገልግል ኣብ መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካስል /ጀርመን/ ብሙሉኣት ኣባላት ግንባር ዝጸደቐ ወግዓዊ ሰነድ ግንባር ኢዩ።

1. ቅዋም፣
ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ
جبهة ارض الاجداد لتحرير لاارتريا
FatherLand Front For The Liberation Of Eritrea
መእተዊ፦
‘ጨው ዘይብሉ መግቢን ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢን ሓደ’ዮም’ ከም ዝበሃል፣ ቅዋም ወይ ዓንዲ ሕጊ ዘይብሉ ምንቅስቓስ እውን ንነዊሕ ግዜ ደው ኢሉ ክኸይድ ዝከኣል ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ውድብ፣ ግንባር፣ ንግዳዊ ማሕበር ወይ’ውን ዕቁብ ዝመሓደረሉ ውሽጣዊ ቅዋም ወይ ሕጋጋት ኣለዎ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ ጉባኤ ካስል ብስሙር ድምጺ ተጋባእቲ ምስ ጸደቐ፤ ኣባላቱ በዚ ቅዋም’ዚ ኣሚኖምን ርዒሞምን ክኸዱ ኢዮም። ግንባር ዓደቦ ከም ኩላተን ኣንጻር ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝቃለሳ ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን፣ ኩለንትናዊ ቃልሲ ንምክያድ ብደረጃ ግንባር ኣሃዱ ኢሉ ተበጊሱ ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ኢዩ።
ግንባር ዓደቦ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታቱ ንምትግባርን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ዘኽእሎ ንጹር ሕጋዊ መምዘኒታትን ሓያል መሰረትን ስለ ዘድሊ፣ እዚ ዝስዕብ ንድፊ ቅዋም ቀሪቡ ኣሎ።
ሓበሬታ፦
ኣብዚ ቅዋም እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ኩሉ ሕግታት ግንባር፣ ንክልቲኡ ጾታታት ብማዕረ ይምልከት።
ዓንቀጽ 1
ዕላማ

1.1 ኣንጻር ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ምቅላስ። ክሳብ ስርዓት ኢሳይያስ ዝቕበር ከኣ፣ ብሙሉእ ሓይሊ ምስራሕ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ንምልዕዓል ዘየቋርጽን ሓያልን ፖለቲካዊ ጎስጓስ ምክያድ። ንስርዓት ኢሳይያስን ምስኡ ንዝተሓባበሩ ግሁዳትን ስዉራትን ደገፍቱን በብግዜኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቅላዕ። ዓቕሚ ግንባር ብዘፍቅዶ መሰረት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግብራዊ ስራሕ ምፍጻም።
1.2 ኣብ መንጎ ኣባላት ግንባር ንዝህሉ ዝምድና ንምዕባይ፣ ኩሉ ግዜ ዘየቋርጽ ሓድሕዳዊ ርክባት ብኣካል፣ ብተለፎን፣ ብስካይፕ ወ.ዘ.ተ. ምግባር።
1.3 ራእይ ግንባር ዓደቦ ናብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ፣ ንዕላማታት ግንባር ከም ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዮ ገዛ ብምውሳድ፣ ብዘይ ምሕላል ምስራሕ።

ዓንቀጽ 2
ስም ግንባር

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ፣ ብዓረብን ብእንግሊዝን ተተርጒሙ ክጸሓፍ ኢዩ።

ዓንቀጸ 3
ኣባልነት

3.1 ካብ ዕድመ 18 ዓመት ንላዕሊ፣ ካብ ክልቲኡ ጾታታትን ካብ ኩሉ ሃይማኖትን፣ ካብ ኩላተን ብሄራትን ኣውራጃታትን፤ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ፣ ሃብቲን ድኽነትን ብዘይምፍልላይ ብኹሉ ዓቕሙ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንምቅላስ ዝወሰነ ኤርትራዊ ዜጋ።
3.2 ቅዋምን ፕሮግራምን ግንባር ዓደቦ ዝቕበል።
3.3 ኣባልነት ብድሌት ይኸውን።
3.4 ግንባር ዝሓገጎ ወርሓዊ ክፍሊት ዝኸፍል።

ዓንቀጸ 4
ምቁራጽ ኣባልነት

4.1 ብእርጋን፣ ብከቢድ ሕማም ወይ ከኣ ብምኽንያት ዕረፍቲ (ሞት)።
4.2 እርጋን ማለት፣ ብምኽያት ጸጋ ንውሓት ዓመታት ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ኣባል ምስ ዝጽገም።
4.3 ከቢድ ሕማም ማለት፣ ዕለታዊ መነባብሮ ንምክያድ ዘጸግሞ ኣባል።
4.4 ብገዛእ ፍቓድ ምስንባት። ሓደ ኣባል ካብ ግንባር ንክወጽእ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ፣ ብመሰረት መተሓዳደሪ ሕጊ፤ ምስ ግንባር ዓደቦ ዘለዎ ኩሉ ዓይነት ሕሳብ ዓጽዩ ይፋኖ። ካብታ ፈሪሙ ዝተሰናበተላ ግዜ ንደሓር ካብ ግንባር ዓደቦ ዝሓቶ ዝኾነ ይኹን መሰል የለን።
4.5 ቅዋም ግንባር ብዝእዝዞ መሰረት ዝግበር ምስንባት። እዚ ማለት፣ ሕጊ ቅዋም ንዝጠሓሰ ኣባል ይምልከት።

ዓንቀጸ 5
ግቡኣት ኣባል ግንባር

5.1 ኣባል ግንባር እዞም ዝስዕቡ ግቡኣት ይህልዉዎ፦
5.1.1 ዕማማት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ምምእዛዝን ንምዕዋቱ ብዘይ ምሕላል ምጽዓርን።
5.1.2 ውሳኔታትን መደባትን ግንባር ዓደቦ ምትግባር።
5.1.3 ግንባር ንዝወሰኖ ፍሉጥ ክፍሊት ኣብ እዋኑ ምኽፋል።
5.1.4 ከከም ደረጅኡ ኣብ ምዱብ ኣኼባታትን ርክባትን ምስታፍ።
5.1.5 ንብረትን ምስጢርን ግንባር ብጥንቃቐ ምሓዝን ምሕላውን።
5.1.6 ኣብ መርዓ፣ ኣብ ሞት፣ ወይ ካልእ ዘይንቡር ኣጋጣሚ ናብ ኣባል ግንባር ምስ ዝወርድ፣ ኣብ ቀረባ ዘሎዉ ኣባላት ግንባር ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ንምግባር ግቡእ ተራ ይጻወቱ።

ዓንቀጽ 6
መሰላት ኣባል ግንባር

6.1 ኣባል ግንባር እዞም ዝስዕቡ መሰላት ይህልዉዎ፦
6.1.1 ክትምረጽን ክትመርጽን ምኽኣል።
6.1.2 ህሉው ምዕባሌን ደረጃን ግንባር ንክፈልጥ ክሓትት ይኽእል።
6.1.3 መጻኢ መደባት ግንባርን ዝምድናታት ግንባር ምስ ደምበ ተቓውሞን ሃገራትን ምፍላጥ።
6.1.4 ኣብ ኣኼባታት ግንባር ምስታፍ፣ ርእይቶን ሕቶን ምቕራብ።
6.1.5 ካብ ግንባር ብድሌት ናይ ምስንባት መሰል።

ዓንቀጸ 7
ሀ) ኣቀዋውማ ግንባር

7.1 ዝዓበየ ስልጣን ዘለዎ ጉባኤ ግባር ዓደቦ ኢዩ።
7.2 ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዓደቦ ብጉባኤ ይምረጹ። 19 ሰባት ከኣ ይኾኑ። ካብዞም ኣባላት እዚኣቶም 13 ካብ ጉባኤ ካስል ክምረጹ እንከለዉ፣ ዝተረፈ 6 መናብር ግን ሕዙእ ይኸውን።
7.3 ፈጻሚት ሽማግለ ዓደቦ ካብ ማእከላይ ሽማግለ ብዝምረጹ 11 ሰባት ይኾኑ። ካብዞም ኣባላት እዚኣቶም 9 ሰባት ንትሽዓተ ናይ ስራሕ ሽማግለታት ይመርሑ።
7.4 ካብ ጉባኤ ፈጻሚት ሽማግለ፣ ሓደ ኣቦ መንበር ግንባርን ሓደ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባርን ይምረጹ።
7.5 ዕድመ ጉባኤ ንክልተ ዓመታት ይኸውን፣ ምስ ፍሉይ ጸገማት ጉባኤ ብ2/3 ድምጺ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እንተደኣ ጸዲቑ፤ ንሓደ ተወሳኺ ዓመት ጥራይ ክምጠጥ ይኽእል።
7.6 ኩላቶም ኣብ ጉባኤ ዝተመርጹ ኣካየድቲ ግንባር ዓደቦ፣ ተሓታትነቶም ንዝመረጾም ኣካል ይኸውን።
7.7 ስሩዕ ናይ ተለኮንፈረንስ፣ ስካይፕ፣ ፓል-ቶክ ወይ ካልእ ዘመናዊ መራኸቢ ብምጥቃም ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፤ ማለት ኣብ ዓመት 12 ግዜ፣ (እንተነውሐ ኣብ ክልተ ወርሒ ማለት ኣብ ዓመት 6 ግዜ) ስሩዕ ሰለስተ ወርሓዊ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዓደቦ፣ ማለት 4 ግዜ ኣብ ዓመት (እንተነውሐ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ) ማለት 3 ግዜ ኣብ ዓመት ይህሉ። ብፍሉይ ጸገም ንምንዋሕ ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ግን ብጽሑፍ ብዚዝርጋሕ ምኽንያት ምቕባል።
7.8 ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዓደቦ ኣብ መንጎ ጉባኤ ንዘሎ ግዜ ዝለዓለ ስልጣን ይህልዎ።
7.9 ኣቦ መንበር ግንባር ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ኣይምረጽን ኢዩ።
7.10 ቅያር ንኣባልነት ማእከላይ ሽማግለ፣ ከም ኣድላይነቱ ብምዱብ ኣኼባ ማ/ሽ ግንባር ይውሰን።

ለ) ዝርዝር ዕማማት ፈጻሚት ሽማግለ ግንባር

7.5.1 ሓደ ሽማግለ ፖለቲካን ውደባን – ሓደ ም/ ፖለቲካዊን ውደባዊን ሽማግለ ይምረጹ።
7.5.2 ሓደ ሽማግለ ወተሃደራዊ ክተት – ሓደ ም/ ሽማግለ ወተሃደራዊ ክተት ይምረጹ።
7.5.3 ሓደ ሽማግለ ጸጥታን ሓበሬታን – ሓደ ም/ ሽማግለ ጸጥታን ሓበሬታን።
7.5.4 ሓደ ሽማግለ ዜናን ባህሊን – ሓደ ም/ ሽማግለ ዜናን ባህሊን።
7.5.5 ሓደ ሽማግለ ፋይናንስ – ሓደ ም/ ሽማግለ ፋይናንስ።
7.5.6 ሓደ ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ – ሓደ ም/ ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ
7.5.7 ሓደ ሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያት – ሓደ ም/ ሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያት
7.5.8 ሓደ ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት – ሓደ ም/ ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት
7.5.9 ሓንቲ ሽማግለ ጉዳይ ደቀንስትዮ- ሓንቲ ም/ ሽማግለ ጉዳይ ደቀንስትዮ

መዘኻኸሪ፦

እዚ ቅዋም’ዚ ናይ ሎሚን ናይ መጻኢን ምዕባለታት ግንባርን ኩነታት ኤርትራን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኢዩ ተነዲፉን ጸዲቑን ዘሎ። ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብዘይካ’ዞም ትሽዓተ ሽማግለታት ከም ኣድላይነቱ ብስምምዕ ብዝሒ ድምጺ ማእከላይ ሽማግለ ግንባር፤ ካልእ ሽማግለ ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ስፍሓት ንጥፈታት ግንባር ንነፍስ-ወከፍ ሽማግለ፣ ምክትል ሽማግለ ክግበረለን ኢዩ።
ምክትላትን ከምኡ’ውን ሓደስቲ ሰባት ብክእለቶም ናብ ወሳኒ ቦታ ንምትካእ፤ ወይ ስራሕ ኣብ ዝሰፍሓሉ ግዜ ተወሰኽቲ ሓገዝቲ ኣባላት ምምዳብ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ፣ ብ2/3 ድምጺ ማእከላይ ሽማግለ ይውሰን።
ኩላተን ሽማግለታት ሓመድ ድበ ስርዓት ህግደፍን ራእይ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ንምትግባርን ብዝለዓለ ትግሃትን ወኒን ይሰርሓ። ኩሉ ስራሓት ሽማግለታት ተደጋጋፊ ኢዩ። ኣብ ስራሕ ሓድሕዳዊ ዝምድና ንምግባር ወትሩ ብመራኸቢ ብዙሓን እሂን-ምሂን ምባል የድሊ። ብፍላይ ንዜና /ሚድያ/ ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ዝስመዓሉን ዝረኣየሉን ግዜ፣ ብዝሓጸረ እዋን ንሽማግለ ዜና ክሕበር ይግባእ።
ንኩሉ ዓቕሚታት ሽማግለ ግንባር ብምግንዛብ፣ ግንባር ዓደቦ ናቱ ሓያልን ተኣማኒን ወብ ሳይት የድልዮ ኣሎ። ግንባርና፤ ግንባር ዓደቦ ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሚድያ ክሰርሕ ከጽግም ኢዩ። ምስ ዓቕሚ ገንዘብና ብምግንዛብ፣ እቲ ብደምበ ኣለና ዝተሰርሐ ወብ ሳይት /www.alenaforever.org/ ተመሓይሹ፣ ንኣገልግሎት እዚ ግንባር’ዚ ክፉት ክኸውን ኢዩ። ብኩሉ ኣባል ሽማግለ ግንባር፣ ተክኖሎጂ ዝተሓባበሩና ኣባላት ክድለዩ ኣለዎም።

ዓንቀጽ 8
ዕማማት ሽማግለታት
ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ኣቦ መንበር

8.1 ኣብ መንጎ ጉባኤታት ናይ ዘሎ ግዜ ዝለዓለ ሓላፊን ወኪልን ግንባር ኢዩ።
8.2 ንኣኼባታት ሽማግለ ግንባር ብመሰረት ቅዋም በብደረጅኡ ይውድብ።
8.3 ጥርዓን ኣባላት ይሰምዕ፣ ከከም ኩነታት ጉዳያት ድማ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር እናተረዳድአ መፍትሒ ይደሊ።
8.4 ብስም ግንባር ኣብ ዝመሓላለፍ ደብዳቤታትን ሰነዳትን ይፍርም። ናብ ግንባር ንዝቐርቡ ዝተፈላለዩ ዕድመታት መርሚሩ ንግንባር ወኪሉ ይሳተፍ ወይ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ግንባር ዓደቦ ይውክል።
8.5 ንኣኼባታት ዝምልከት ሓበሬታ ንኣባላት ግንባር ይነግር። ኣብ መርበባት ኢንተርነት ይሰቅል። ጸብጻብ ግንባር ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ንኣባላት ብኢ-መይል ይሰድድን ግብረ-መልሲ /Feedd Back/ ተቐቢሉ ይምርምርን።
8.6 ንኩላተን ዝተመዘዛ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ንዝተዋህበን ስራሕ ይምርምርን ተግባራውነቱ ይከታተልን።
8.7 ምስ ምክትል ኣቦ መንበርን ሽማግለ ፋይናንስን ብምዃን /ብምምይያጥ/ ዘድሊ ገንዛባዊ ምስቅስቓስ ይውስን።
8.8 ፍሉይ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ኣብ ሃገርና ወይ ኣብ ከባቢና ምስ ዝህሉ፣ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ወይ ፈጻሚት ሽማግለ ይዕድም።
8.9 ኣቦ መንበር ተሓታትነቱ ንኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኢዩ።

ዓንቀጽ 9
ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ጸሓፊ ግንባር

9.1 ንኩሉ ሰነዳት ግንባር ይዕቅብ። ኣብ ኦርኒክ ኣስማት ኣባላት ንዝግበር ናይ ኣድራሻን ተለፎንን ምቅይያር ይከታተል። ኦርኒክ ሓደስቲ ኣባላት ናብ ኣድራሽኡ ይለኣኽ። ንሓደስቲ ኣባላት ግንባር እናረኸበ ህሉው ምዕባለታት ግንባር ይገልጸሎም።
9.2 ኣቦ መንበር ኣብ ዘይብሉ፣ ንኣቦ መንበር ወኪሉ ይሰርሕን ንግንባር ይመርሕን።
9.3 ማሕተምን መዛግብቲን፣ ከምኡ’ውን ኩሉ ጽሑፋት ግንባር ይሕዝ።
9.4 ቃል ጉባኤ፣ ተሳታፍነት ኣኼበኛታትን ዝርዝር ርክባትን ይሕዝ።
9.5 ተሓታትነቱ ንኣቦ መንበር ግንባር ይኸውን።

ዓንቀጸ 10
ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለታት ግንባር

10.1 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ፖለቲካን ውደባን፦
10.1.1 ኣብ ጉባኤ ዝምረጽ ፖለቲካዊ ሽማግለ፣ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሓውራት ግንባር ዓደቦ ኢዩ። እዚ ሽማግለ’ዚ ንውሽጣዊ ፖሊሲ ግንባር ይከታተል። ንዝምድና ግንባር ዓደቦ ምስ ሃገራት ብሓፈሻ፣ ምስ ከባቢና ሃገራት ከኣ ብፍላይ የጽንዕ።
መዓልታዊ፣ ሰሙናዊን ወርሓዊን ንጥፈታት ግንባር ይግምግምን ይምዝግብን። ፖለቲካዊ ሽማግለ ግንባር፣ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ምስ ማሕበር መንእሰያት፣ ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ዘሎ ዝምድና ይምርምር።
ብዛዕባ ሓቢርካ ዝስራሓሉ ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ከኣ፣ ርእይቶኡ ናብ ኣቦ መንበር ግንባር ጽሑፍ የቕርብ። ፖለቲካዊ ሽማግለ ኣብ ኩሉ ስራሓቱ ምስ ምክትሉ ወትሩ ክዘራረብ፣ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጥን ሓገዝ ክሓትትን ይግባእ። ፖለቲካዊ ሽማግለ ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።
10.1.2 ኣብ ጉባኤ ዝምረጽ ሽማግለ ፖለቲካን ውደባን፣ ሰለስተ ቀንዲ ስትራተጂታት ኣለዎ፦
ሀ) ቀዳማይን ቀንዲን ዕማሙ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ህዝቢ፣ ኣብ መስመሩ ከም ዝጸንዕ ምጉስጓስ፣
ለ) ኣብ ስቕታ ንዘሎ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደምበ ተቓውሞ ንክመጽእ ቅድሚ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ንዘይመዝመዞ ጥበብ ተጠቒሙ ንምውዳቡ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምግባር።
ሐ) ነቲ እንተ ብረብሓ እንተስ ብድሑር ምትእስሳር ኣብ ደምበ ህግደፍ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ናብ ደረጃ ልኡምነት /Silent/ ከም ዝወርድ ንምግባሩ ምጽዓር። ሽማግለ ውደባ ወትሩ ምስ ምክትሉ እሂን ምሂን ክበሃሃል ይግባእ።
እቲ ሓፋሽ ይወደብ፣ ይንቃሕ ይዕጠቕ ዝብል ጭርሖ ብንቕሓት ዳግማይ ከም ዝሰርሕ ንምግባር ጻዕሪ ምሕያል።
ሽማግለ ውደባ ናብ ኩሉ ክፍለ-ዓለማት ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ፍልልይ ኣውራጃ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ብዝጥዕም ኣገባብ ምውዳብ። ብፍላይ ናብ ኣፍሪቃ ብምትኳር ድማ፣ ሰፊሕ ውደባታት ምግባር። ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.2 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ወተሃደራዊ ክተት፦

10.2.1 ኣብ ጉባኤ ዝምረጽ ሽማግለ ወተሃደራዊ ክተት፣ ቀንዲ ስርሑ ንመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብኣካልን ብመራኸቢ ብዙሓንን እናተራኸበ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኩለንትናዊ ኣገባብ፣ እንኮላይ ሓይሊ ምጥቃም ቀንዲ ሜላና ምዃኑ ምግላጽ። ንሜዳ ዝስለፉ ወለንተኛታት ምትብባዕ፤ ብጉሳት ምስ ዝህልዉ ከኣ ምፍናው። ካብ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፣ ካብ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ወተሃደራዊ ኣልባሳትን ንብረትን ዝርከበሉ መንገዲ ምንዳይ።
ወተሃደራዊ ሽማግለ ጥበብ ብዝመልኦ መንገዲ ኣብ ከባቢ ኤርትራን ኣብ ማእከል ኤርትራን ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝሰርሑ ሰባት ምምልማል። ኣብ ስጉምቲ ወተሃደራዊ ስርሒት፣ ናብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ንከይወርድ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር። ወተሃደራዊ ሽማግለ ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.3 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ጸጥታን ስለያን፦

10.3.1 ሽማግለ ጸጥታን ስለያን ስማ ከም ዝሕብሮ፣ ጸጥታዊ ሸነኻት ግንባርን ኣባላቱን ምሕላው። ዝምድና ኣባላት ግንባር ንምድልዳል ወትሩ ምጉስጓስ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ንዝህሉ ገስጋሲን ዘይገስጋሲን ጽልዋታት በብግዚኡ ምጽናዕ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ቤተ መንግስቲ ህግደፍ ክሳብ ኣብ ዝተሓተ ኣከባቢታት ንዘሎ ወተሃደራዊ፣ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ኩነታት ምክትታል። ዝምድና ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ከምኡ’ውን ጉዳይ ሰበስልጣናት ህግደፍ ምክትታልን ምጽናዕን። ሽማግለ ጸጥታን ስለያን ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.4 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ዜናን ባህሊን፦

10.4.1 ሽማግለ ዜናን ባህሊን ህዝቢ ንምንቃሕ ዘየቋርጽ ጎስጓስ ይገብር። መዓልታዊ ንጥፈታት ግንባር ይከታተልን፣ ንኣገደስቲ ፍጻሜታት ድማ ናብ መርበባት ኢንተርነት ይልእኽ። እዚ ሽማግለ’ዚ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከብ ርጡብ ሓበሬታ ከከም ኣድላይነቱ እናረኣየ ናብ ኣባላት ግንባር ይዝርግሕ። ሽማግለ ዜናን ባህሊን ግንባር ዓደቦ፣ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ንዝግበር ገበናት ተኸታቲሉ የቃልሕ።
ንመርበብ ወብ ሳይት ግንባር ድማ የመሓድር። ኩሉ ኣብቲ ወብ ሳይት ንዘሎ ንጥፈታት መዓልታዊ ይቆጻጸር። ምስ ኩላተን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዋ ወብ ሳይታት ሕውነታዊ ዝምድና ይምስርት። ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ይገብር። ናብ ምዝርጋሕ መጽሔትን ጋዘጣን፣ ደረጃ ፈነወ ረድዮን ተለቪዥንን፣ ንምስግጋር ዘየቋርጽ መጽናዕቲ ምግባር። ከምኡ’ውን ንዘመናዊ ተክኖሎጂ እናተጠቕመ ንንጥፈታት ግንባር ዓደቦ የዕቢ።
ንዘመናዊ ተክኖሎጂ እናተጠቕመ ሃብታም ዝኾነ ትሕዝቶ ዜናን ሓበሬታት ምትሕልላፍ። ኣብ ጉዳይ ባህሊ ብዝምልከት ድማ፣ በብደረጅኡ ጉጅለ ባህሊ ግንባር ዓደቦ ንምምስራት ትልሚ ምትላም። ምስ ግዜ፣ ኩነታትን ዓቕሚን ብዝሰማማዕ መንገዲ እውን ዓመታዊ ፈስቲቫል ግንባር ንክግበር ምሕላን። ምስ’ዚ ኩሉ ንጥፈታት ብዝተኣሳሰር፣ ብሲዲ፣ ዲቪዲ፣ መጽሔት፣ ማልያ /T-Shirt/ ፖስተራት፣ ፖስት ካርድ ወ.ዘ.ተ… ኣታዊ ግንባር ንምዕባይ ብዘይ ምሕላል ጻዕሪታት ምክያድ።
ሽማግለ ዜናን ባህሊን ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.5 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ፋይናንስ፦

10.5.1 ሽማግለ ፋይናንስ ወትሩ ገንዘባዊ ሚዛን ከይዘናበልን ኣታዊታት ግንባር ንምዕባይን ይሰርሕ። ብፐይ-ፓል /Paypal/ ከምኡ’ውን ፍሉጥ ናይ ባንክ ሕሳብ ግንባር ዓደቦ ምምስራት። ካብ ወርሓዊ ክፍሊት ምዱባት ኣባላትን ሓደስቲ ዝምዝገቡ ኣባላትን ንዝርከብ ኣታዊታት ብግቡእ ምቕማጥ። ባህላዊ ጉጅለታት ብምዕዳም ኣታዊ ከም ዝርከብ ምውዳብ። ካብ ኣባላት፣ ካልኦት ወለንተኛታትን ኣህጉራውያን ማሕበረ-ኮማትን ሓገዝ ምሕታት። ከም ኣድላይነቱ ፋንድ ረይዚን ምድላው።
ሽማግለ ዜናን ባህሊን ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.6 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ፦

10.6.1 ቀንዲ ዕማማት ጉዳያት ወጻኢ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ ንህዝቢ ዓለም ንምግላጽ ኢዩ። ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ዝቃላሕ ምግባር። ካብ መንግስታት፣ ሰልፊታትን ማሕበራት ረድኤትን ሓገዝ ምድላይ። ተደናገጽቲ ሰልፊታት ንምርካብ ምጽዓር።
ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.7 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያት፦

10.7.1 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያት ንሓደስቲ ኣባላት ብዝምልከት ህሉው ማሕበራዊ ኩነታቶም ምክትታል። ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ናይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኩነታት ምሕታትን ምክትታልን።
ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፦ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ወ.ዘ.ተ… ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ሰባት ምክትታል። ብፍላይ ኣብ ዶባት መቐበሊ ሓደስቲ ስደተኛታት ከም መደበራት ማይ-ሓርሽ፣ ማይ-ዓይኒ፣ ሽመልባ፣ ሸጋራብ ወ.ዘ.ተ… ተኸታቲሎም ሪፖርታጅ ዘመሓላልፉ ግዱሳት ኣባላት ንምምዝጋብ ጻዕሪ ምክያድ።
ብሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያትን ብካልኦት ሓለፍቲ ግንባር ዓደቦን ምስኣቶም፣ ማለት ምስቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ናይ ተለፎን ርክባት ምግባር። ንኣዝዮም ዝተሸገሩ ዜጋታት ዓቕሚ ግንባር ዘፍቅዶ ናይ ገንዛብ፣ ንብረት፣ መጻሕፍቲን ክዳውንቲን ሓገዝ ምግባር። ብኣባላት ግንባር ዓደቦ፣ ብግብረ-ሰናይ ማሕበራት፣ ኣብያተ-ክርስትያናት ወ.ዘ.ተ… ስፖንሰርሺፕ ዝርከበሉ መንገዲ ምንዳይ። ዝምድና ኣባላት፣ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ርክባትን ከም ዝሕይል ምግባር።

10.8 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት፦

10.8.1 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ መንእሰያት ኣብ ግንባር ዓደቦ፣ ወሳኒ ተራ ዝሕዝ ጉዳይ ኢዩ። መንእሰይ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ኢዩ። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ድማ ብቐንዱ ንመንእሰይ ወለዶ ዓቢ ሓላፍነት ዘሰክም ግንባር ኢዩ።
ቀንዲ ዕማም ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት፣ ነቲ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጠፍአ ዝኸይድ ዘሎ ብህሊን ክብሪታትን ህዝቢ ኤርትራ፤ ከምኡ’ውን ሃብታም ታሪኽ ሰውራ ኤርትራን ጅግንነት ኤርትራውያን ተቓለስቲን ንምዕቃብ ፍሉይ ጻዕሪታት ምግባር። ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ መንእሰያት ወከልቲ ዋህዮታት ምግባር።
ንኩሉ ሸነኻት ኤርትራ ብዝወከለ መንገዲ፣ ቀጻሊ ምውዳብ መንእሰያት ምክያድ። መንእሰይ መሬት ዓደቡኡ ንምፍላጥ፣ ፈሊጡ ከኣ ንምክልኻል ጎስጓስ ምክያድ። ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ፍትሒ ንክስለፉ ምትብባዕ። ብፍላይ ኣብ ደገ ንዝተወልዱ መንእሰያት ከኣ ካብ ሕቑፊ ህግደፍ ዝናገፉሉ መጽናዕቲ ምግባር።
ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።

10.9 ስልጣን፣ ዕማማትን ተሓታትነትን ሽማግለ ጉዳይ ደቀንስትዮ፦

10.9.1 ዕማማት ሽማግለ ጉዳይ ደቀንስትዮ፣ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣገባብ ውደባ ዝፍለ ኣይኮነን። ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ ኤርትራ፣ ስርዓት ህግደፍ ንምዕናው ሓያላት ካድረታት ንምፍራይ ምቅላስ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንዝተራእየ ቅያ ደቀንስትዮ፣ ንክዕቅብኦ ጎስጓስ ምግባር።
ነተን ኣብ ዘይደምበኤን ዘኹድዳ ዘለዋ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፣ ናብ ደምበ ተቓውሞ ንክጽንባራ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምግባር። ኣብ መጽሔትን ኣብ ጋዜጣን ከምኡ’ውን ኣብ ወብ ሳይት ግንባር ዓደቦ ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ምስፋር። ሽማግለ ጉዳይ ደቀንስትዮ ሰለስተ ወርሓዊ ምዱብ ጸብጻብ ስርሑ፣ ወይ ብህጹጽ መንገዲ ንዝረኣዩ ጉዳያት ብጽሑፍ ናብ ኣቦ መንበርን ጸሓፊ ግንባርን ንክሰድድ ይግደድ።
ኩላተን ሽማግለታት ግንባር ዓደቦ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንዘካየድኦ ሃገራዊ ንጥፈታት ብጽሑፍ ናብ ጸሓፊ ግንባር ክሰዳ ይግደዳ።

ዓንቀጽ 11
ቤት ጽሕፈት ግንባር ዓደቦ

ክሳብ ንክራይ ማ/ቤ/ጽ ዝኸውን ዓቕሚ ገንዘብ ዝድለብ፣ ንግዚኡ ግንባር ከም ቤት ጽሕፈት ዝጥቀመለን ኣድራሻታት፣ መንበሪ ገዛውቲ ኣቦ መንበር ግንባርን ም/ኣ መንበር ግንባርን ክኾና ኢየን።

ዓንቀጽ 12
ክፍሊት

12.1 መመዝገቢ ንኣባልነት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ፦
ኣብ ኤውሮጳ ሓሙሽተ ዩሮ ኢዩ። ብርዱእ ቁጠባዊ ምኽንያት ብዘይካ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ካልእ ክፍላተ-ዓለማት ከኣ 5 ዶላር ኣሜሪካ ወይ ተመጣጣኒ ሸርፊ ካልእ ባጤራ።
12.2 ወርሓዊ ክፍሊት ኣባላት ድማ፦
ሀ) ኣብ ኤውሮጳ 5 ዩሮ ወይ ተመጣጣኒ ሸርፊ ካልእ ባጤራ፣
ለ) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ 5 ዶላር ኣሜሪካ ወይ ዶላር ካናዳ፣
ሐ) ኣብ ኤርትራ ብርዱእ ቁጠባዊ ምኽንያት ክፍሊት ብወለንታ ኢዩ፣
መ) ኣብ ኣፍሪቃ ምጣኔ ሸርፊ 5 ዶላር ኣሜሪካ፣
ሰ) ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ተመጣጣኒ 5 ዶላር ኣሜሪካ፣
12.3 ብድሕሪ ምስረታ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካስል ኣብ ደገ ካብ ዝነብር ህዝቢ ንዝምዝገቡ ኣባላት ምዱብ ክፍሊቶም ከፊሎም ምቕባል። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንኣባልነት ዝምዝገቡ ግን ብርዱእ ቁጠባዊ ጸገም፣ ክፍሊት ብፍቓድ ሓደስቲ ተመዝገብቲ ይኸውን።

ዓንቀጸ 13
መቕጻዕቲ

13.1 ኣብ መዓልቱ (ክሳብ 90 መዓልታት) ዘይከፈለ ኣባል፣ ብዝምልከቶ ሓላፊ ፋይናንስ መልእኽቲ ይስደደሉ። ክምለስ ምስ ዝደሊ፣ ዕጽፊ ናይ 60 መዓልታት ከፊሉ ኣባልነቱ ይቕጽል።
13.2 ክሳብ 180 መዓልታት ግቡእ ክፍሊቱ ዘይከፈለ ኣባል፣ ካብ ኣቦ መንበር ግንባር ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ብኢ-መይል ወይ ብናይ ሓደራ ደብዳቤ ይስደደሉ። ቅዳሕ ድማ ናብ ኩላቶም ሽማግለታት ግንባር ይስደድ።
13.3 ብድሕሪ መጠንቀቕታ ክሳብ 120 መዓልታት ምስ ዘይከፍል ከኣ፣ ኣባልነቱ ካብ ግንባር ዓደቦ ይስረዝ።
13.4 ብሰንኪ ዘይምኽፋል ወርሓዊ ግቡእ ገንዘብ ተሰጒጉ ዝነበረ ኣባል እንደገና ዓቕሚ ደሊቡ ዝነበሮ ድምር ክፍሊት ከፊሉ ንኣባልነት ግንባር ክምለስ ምስ ዝሓትት፣ ፍቑድ ይኸውን።
13.5 ብወለንታ ካብ ግንባር ዝተሰናበተ፣ ወይ ድማ ብሕጊን መነባበሪ ደንቢታትን ግንባር ተሰጒጉ ዝነበረ ኣባል፣ ዳግም ናብ ግንባር ንክኣቱ 2/3 ድምጺ ማ/ሽ ግንባር ክረክብ ኣለዎ።

ዓንቀጸ 14
ምምሕያሽ ቅዋም ግንባር

ቅዋም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ዓንቀጻቱ ብጠለብ ክልተ ሲሶ ድምጺ ካብ ኣባላት ጉባኤ ድማ ክመሓየሽ ይኽእል።

ዓንቀጸ 15
ማሕተምን ጭርሖን

15.1 ማሕተም ግንባር ዓደቦ፣ ድሕረ ባይትኡ ካርታ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ዋልታን ድርብ ጭማራን ዘለዎ ከቢብ ማሕተም ይግበር። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ጽሑፍ፤ ብላዕሊ ትግርኛ፣ ኣብ ማእከል ዓረብ፣ ብታሕቲ ድማ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈሉ ይኸውን።
15.2 ጭርሖ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ብቋንቋ ብሄረ ትግረ፦
“ዓውቴና ሸክ ኣለቡ” ይኸውን።

ዓንቀጽ 16
ማሕላ
ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ-ምልኪ ብወለንታ’ምበር ኣባል ደሞዝ ዝኽፈለሉ ስራሕ ኣይኮነን። ንዝተበገስናሉ ዕላማ ናብ ሸቶ ንምብጻሕ ግን በብውሽጥና ንምሓል። ማሕላ ኣብ ልቢ’ምበር ኣብ ወረቐት ኣይኮነን። ማሕላ ናይ ሕልና ጉዳይ ኢዩ። ነፍስ ወከፍ ኣባልን መሪሕነትን ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ናብ ፍጹም ዓወት ንምብጻሕ ብዘይ ምሕላል ንክሰርሕ ብእምነቱን ብስም ሰማእታት ኤርትራውያንን ምስ ሕልንኡ ይምሓል።

መደምደምታ

ምስረታ እዚ ግንባር ዓደቦ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ፍሉይ ሕላገት ዘለዎ ግንባር ኢዩ። ማሕላ ኣቦታትና ኣብ ግዜ ሓምሳታት: ማሕላ ቀዳሞት ጀመርቲ ሰውራ ኤርትራን ከምኡ’ውን ማሕላ እቶም ልዕሊ 65 ሽሕ ፋኖታት ኤርትራውያን ሰማእታትን “ሓንቲ ኤርትራ!” ኢዩ ዝነበረ። ሕላገት ግንባር ዓደቦ ከኣ፣ ብስምረት ኤርትራውያን ንክልለ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኢዩ።
ንሕና እዞም ሎሚ ሓርነት ህዝብና ብጭፍራ ህግደፍ ምስ ተጨውየ ናብ ዳግማይ ቃልሲ እንብገስ ዘለና ደቂ ሔማ ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ደጎል እዛ ዕትብትና ዝተቐብረላ ዓደቦና ኤርትራ እናሰገድና ስለ ሓንቲ ኤርትራ ክሳብ መስዋእቲ ሱባኤ ንኣቱ ከም ዘለና ብድርብ ኪዳን ንምሕል ኣሎና። ዝተወልደ ሕጻን ንክዓቢ: ዝጎበዙ ደቅና ንክምርዓዉ: ዝሸምገለ ኣብ መሳጊዳቱን ኣድባራቱን ክጽጋዕን ዝሞተ ድማ ናብ ሓመድ ዓደቡኡ ንክቕበርን ሕቶ ዓደቦ ኤርትራ ማእከላይ ቦታ ይሕዝ።
እምበኣርከስ ንሕና መስረትቲ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ (ግዓሓኤ) ኣቐዲምና በብዓቕምና እምኒ ሩባ ናብ ግንባር ህግደፍ ክንድርቢ ዝጸናሕና ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንሓርነት ኢና። ንሕና ትርግታ ልብታትና ከም መሰንቆ ቅዱስ ዳዊት ብሓደ ዘዳምጻ ኤርትራውያን: ሰራውርናን እቲ ነቕ ዘይብል መሰረትናን ኣብ ውሽጢ ሓመድ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ እቲ ረዚን ኣዕጽምቲ ስዉኣት ዝተሰከመ ሩባን ኩርባን: መንዶዃዱኽን ስንጭሮታትን ኢዩ ዘሎ።
ኣቦታትና ኣብ ግዜ ሓምሳታት ከምዚ ሎሚ ኤርትራ ናብ ሓደጋ ምግምማዕ ኣብ ዝበጽሓትሉ ግዜ “ሓንቲ ኤርትራ” “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ዝብል ዜማ ኢዩ ዝነበሮም። ንሕና እዞም ሎሚ ብስም ዜማ ሓርበኛታት ኣቦታትናን ሕድሪ ቶም ብቑንጣሮ ሓመድ ዝቐበርናዮም ጀጋኑ ስዉኣትናን ንምትግባር፣ ግንባር ዓደቦና ንምስርት ኣሎና።
ኣብዚ እዛ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝተኸፍላ ሃገርና ንምድሓን ሰናይ ትልሚ ንጅምረሉ ዘሎና ግዜ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነጽፍ ምንጪ ዛራ ጽንዓትና ከም ዝኸውን እምነትና ዝለዓለ ኢዩ። ሎሚ ብድሕሪ ናይ ዕስራን ሓደን ዓመታት ሸንኮለልን ዕንኪላሎ ምህርቲ ኣልቦ ዓውዲ ህግደፍን፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣፈፌት ሓርነት ገጹ ይቀራረብ ኣሎ።
ኣብዚ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ንሞት ርብዒ ጎደል በጺሑሉ ዘሎ ተሃዋሲ መድረኽ እምበኣር፣ ስለ እቶም ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ክሳብ 1991 ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ናይ ጥምጥም ቃልሲ በጃ ንናጽነት ዝሓለፉ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ መቓልሕ ድምጽና ንከነስምር ቅዋም ሕግታት ግንባር ዓደቦ መስሪትና ኣሎና።

ዓውቴና ሸክ ኣለቡ!

ካስል-ጀርመን

ጥቅምቲ 2012

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ (ግዓሓኤ)
جبهة ارض الاجداد لتحرير لاارتريا
FatherLand Front for the Liberation of Eritrea /FFLE/

2. ንድፊ ፕሮግራም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ

መ እ ተ ዊ

እዚ ንድፊ ፕሮግራም’ዚ ወግዓዊ ፕሮግራም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ንክኸውን ኣብ ጉባኤ ካስል ብተሳተፍቲ ሃገራውያን ንክጸድቕ ንጽበ። ‘ዓደቦ ሱር ይተኽሉ፣ ሱር ይነቕሉ!’ ዓደቦ ምስ መንነት፣ መሬትን ክብሪታትን ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር፣ ዓሚቑ ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎ ቃል ኢዩ። ጨካን ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስን ባዕዳውያን ለኣኽቱን ዓደቦና ንምጥፋእ ዘካየዱዎ ዕንወት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተቐጂሉ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከምቲ ‘ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ’ ዝበሃል፣ ሰብኣይና ሰበይትና ዝተዘምተ ርስትና ንምምላስ ምቛም ግንባር ዓደቦ ወሳኒ ጉዳይ ኢዩ።
እዚ ንድፊ ፕሮግራም’ዚ ምስ ጸደቐ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኢንተርነት ብጽሑፍ ክዝርጋሕ ኢዩ። ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዓንዲ ማእከል ዝገበረ እዚ ንድፊ ፕሮግራም’ዚ መለለዪ ሕላገቱ ግብሪ ክኸውን ኢዩ። ‘ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ’ ምስ ህሉው ወጅሃትን ፖለቲካዊ መልክዕን ኤርትራ ብዘይ ውሻል ተጸሪቡ ዝተገጣጠመ ሓኽሊ ኢዩ።
ንድፊ ፕሮግራም ዓደቦና ብቀይሕ ደም ስዉኣት ኤርትራውያን ኣብ ብራና ሰማእታትና ዝጸሓፍ ዘሎ እዋናዊን ታሪኻዊን ፕሮግራም ኢዩ። እዚ ንድፊ ፕሮግራም እዚ ካብ መዓሙቕ መቓብር ጀጋኑ ኣቦታትን ተጋደልቲን ዝጎስዕ ዘሎ ካብ ሳርማ ሕድሪ ዝተቐድሐ ኢዩ።
ታሪኽ ጉዕዞ ፖለቲካውያን ውድባት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ከም ዘነጽሮ፣ ዛጊት ኣዋጅን ፕሮግራምን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይተራእየን። ናይ መብዛሕትአን ውድባት ፕሮግራማትን ኣዋጃትን ግን ከም ዝተሓንጸጾ ይሰርሕ ነይሩን ኣሎን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “ኮቦሮን እግሪን ነንበይነን ይዘላ” ዝበሃል ኣብ መንጎ እቲ ዝተጻሕፈ ፕሮግራምን ግብራዊ ኣከያይዳን ዘይምቅዳው ከም ዝነበረ ዚርሳዕ ኣይኮነን።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምንቕቓፍን ሓቂ ምዝራብን ክልመድ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እምበኣርከስ ንሕና ብስም ደምበ ኣለና እንፍለጥ ተቓወምቲ፣ ንብዙሕ ዘይግብራዊ ተመኩሮታት ደምበ ተቓውሞ፣ ኣብ ሳምሶናይት ጥራይ ዝቕመጥ ኣዋጅን ፕሮግራምን ክንደግም ኣይንደሊን ኢና። ኣብዚ ናይ ጥምጥም እዋን ብጸጋማይ ኢድና ሚሔ፣ ብየማናይ ኢድና ድማ መንፊት ሒዝና መስመርና ንከነጽሪን፤ ክሳብ ሞት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብትግሃት ክሳብ መስዋእቲ ንክንቃለስ ኣሃዱ ንብል ኣሎና።

ስለምንታይ ዳግማይ ናብ መጋርያ ቃልሲ?

1. ህዝቢ ኤርትራ ብጽኑዕ ቆራቑሮ ኣብ መስገደል ህግደፍ ኣብ ዝተቖርነሉ እንክሒራ ዘመን ብምዃኑ። ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቆርበት በጊዕ ብዝተኸድነ ተኹላ ንዝተጨውየ መጠን ኣልቦ ሃረርታ ህዝቢና ንምምላስ።
2. ካሪክልም ጥፍኣት ኤርትራውያን ንምትግባር ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ስለያዊ ስራሓት ኢሳይያስ ተዋፊሮሙሉ ኣብ ዘለዉ ኣብ ዝተጠናነገ ዓውደ-ኣዋርሕ ብምህላውና።
3. እዛ ብዛራ ደምን ኣዕጽምቲን ደቃ ኣብ ካርታ ዓለም ጋህዲ ዝኾነት ኤርትራ፣ ቀስተ-ደበና ዘይብሉ ከቢድ ናይ ምብትታንን ጥፍኣትን ጸሊም ደበና የንጸላልዋ ብምህላዉ፣
4. ኣብ ኤርትራ ኣራዊታዊ ሕጊ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ህግደፍ፣ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘጓነፈና ህጹጽ ግዜ ብምህላውና:
5. ኣብ ደምበ ተቓውሞ ነዚ ውዱዕ ኩነታት ብምግንዛብ፣ ርእሲ ኲናት ኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ባዕላዊ ረቛሒ ኣብ ዝተሳእነሉ እዋን እቶ-እቶ ብምብጻሕና።
6. ነዚ ኩሉ ሰንከልከል ህግደፍ እናረኣዩ ከም ዘይረኣዩ ንክኸዱ ዝመረጹ ብዙሓት መጣቓዕቲ ህግደፍ ተስፋ ኣብ ዝቖርጽሉን ኣብ እዋን ላንጋ-ላንጋ ብምህላዎምን።
7. ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፦ ካብ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ክረኽቦ ንዝተጸበዮ ፍረ ብክቱር ተስፋ ኣብ ምንብሃቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፤ ተስፋኡ እናበነነ ብምዃዱ፤ ናይ ገለ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ቅድሚ ሎሚ ብዝኾነ ኤርትራዊ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንህዝቢ ዝበታትን መደረታት ይገብሩ ብምባሮምን።
8. ብዙሓት ገዳይም መሪሕነት ደምበ ተቓውሞ፤ ንሃይማኖትን ኣውራጃን ከም ቀምሽ-ውሽጢ ተጠቒሞም ኣብ መንበር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምኹያጥን ዘይኣለምዎ ቅጭን ቋረ ንምውንዛፍን ኣብ ዘምባሁቑሉ ዘለዉ ከንቱ ባህጊ ንስልጣን ብምህላውና።
9. ምርባሕ ኤርትራውያን ውድባት፣ ሰልፊታትን ማሕበራትን ከም ኣንቆራ ንህቢ መመሊሱ ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ ግዜ ብምብጻሕና።
10.ብድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፣ ንጉዳይ ተቓውሞ ኤርትራውያን ከመይ ዝኣመሰለ ዕድል ክህሉ ኢዩ እናበልና ኣብ ምትንታን ኣብ ዘለናሉ ተሃዋሲ ግዜ ብምህላውና።
እዚን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣብ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ብምህላዉ ኢና’ምበኣር ምስቶም ኣቐዲሞም ኣንጻር ስርዓር ህግደፍ ክቃለሱ ዝጸንሑ ዜጋታት ንክንጽንበር ዝወሰንና።
‘’ትንፋስ እንተደሊኻ ጎሮሮ ሓዝ” ከም ዝበሃል፣ ፍትሒ እንተደሊና ድማ ሂወት ገበነኛ ኢሳይያስ ክትሓልፍ ኣለዋ። ሱር ቃልሲና ጎሮሮ ንምሓዝ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሎሚ ግንባር ዓደቦ ብዝብል ማዕረግ ዝስየም ዘሎ ግንባር ደቂ ሃገር፤ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዓመተ-2003 ዝተጠንሰ ህዝባዊ ድቂ ኢዩ። ውዳበ ኣለና ዘይከም ጥንሲ ሰበይቲ ንሕጻን ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ወይ ዘይከም ጥንሲ ገመል ንሕዋር 12 ኣዋርሕ፤ ታሪኻዊ ጥንሲ ስለዝኾነ እነሆ ብድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ስዉር ቃልሲ፣ ብድሕሪ ክልተ ዓመታት ከኣ ግሁድ ፖለቲካዊ ወፍሪ፤ ሎሚ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ተወሊዱ ኣሎ።
ግንባር ዓደቦ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተዓሊልሉን ተጠሚቑን ኣሎ። ከምቲ ፋርስ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ኩድኹዶ ኣዳል ኮይኑ ንሰውራ ኤርትራ ክምስርት እንከሎ፦ “… ኣነ ነዛ ሓዊ ሎሚ እኣጉዳ ኣለኹ። ብድሕረይ ከኣ ብዙሓት ደቂ ዓደይ ክስሕንዋ ኢዮም” ዝበሎ፤ ንሕና ከኣ፦ “ዘራእቲ ናይዚ ሓድሽ ግንባር ኢና፣ ጻህየይቲን ዓጸድቲን ግን መንእሰያት ኤርትራ ክኾኑ ኢዮም፣” ክንብል ንፈቱ፣
ንሕና ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ፋሕ ኢልና እንርከብ ብስም “ደምበ ኣለና” እንፍለጥ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ብድሕሪ ክልተ ዓመታት ናይ ታሪኽን ጎስጓስን ርሱን ዘመተ፤ ሎሚ ዝተረፈ ዓቃቢቶ ህግደፍ ብህዝባዊ ሞዶሻ ንምድርዓም ግንባር ዓደቦ መስሪትና ኣሎና። በዚ ሓድሽ ኣወዳድባ‘ዚ ከኣ ናብ ግብራዊ ስራሕ ንብገስ ከም ዘለና ንህዝቢ ኤርትራ ብሙሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ከነበስር ንፈቱ። ሎሚ ናይ ግብሪ እምበር ናይ ጨለ ዘረባን ናይ ፍለ-ፍለን ግዜ ኣይኮነን።
ኣብዚ ንሓርነታዊ መርሓ ብግብሪ እንብገሰሉ ዘለና ናይ ቃልሲ ህሞት: ቀንዲ ሞቶርናን ደፋእቲ መንኮርኮር ለውጢን እቶም ሕመረት ሕብረተሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኢዮም። ምስቶም ኣብ ሙሉእ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዘለዉ መንእሰያት ከም ስሙር ማእዶ ብሓንቲ ፈትሊ ተጠሚርና ክንከይድ ኢና። ነቲ ኣብ ድጉል ህዝባዊ ረመጽ ዝተሰኽተተ ሰራም ስርዓት ህግደፍ ንምቕላው ከኣ ንብገስ ኣሎና።
ምስቶም ስለ ናጽነት ኤርትራ ንእስነቶም ኣብ በረኻ ዘብለዩ: ኣብዚ ግዜ እዚ ገለ ብዝተፈላለየ ስማዊ ማዕርጋት ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘለዉ ገለ ከኣ ኣብ ሚኒስትሪታት: ምምሕዳር ዞባታትን ክፍልታትን ዘለዉ፤ ብኣዝዩ ጸቢብ መንገዲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ምውህሃድ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።
መስረትቲ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ንርከብ። እቶም ብምኽንያት ህላወ ህግደፍ ንግዚኡ ልሳን ዘይብሎም ኣባላት እዚ ግንብር እዚ፣ መብዛሕትኦም ብገባቲ ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስ ዝደስከሉን ዝተቐጥቀጡን ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢዮም። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ዚዝርግሓሉ ዘሎ ግዜ፣ ኩሉ በብዓመቱ ክድስክል ዝጸንሐ ክፋል ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት ዝጸንሑ (ስንኩላንን ጥዑያትን) ገዳይም ተጋደልቲን ኣባላት እዚ ግንባር’ዚ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ነረጋግጽ።
መብዛሕትኦም መስረትቲን ኣባላትን እዚ ሓድሽ ግንባር እዚ፣ እቶም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲን እዋን ናጽነትን ብዘይካ ሽዳን ጥውዮ ነጸላን ካልእ ንብረት ዘይወነኑ፤ ሕልፈት ኣደራዕ ዝወረዶም ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢዮም። እምበኣርከስ ኣባላት እዚ ግንባር’ዚ ምስቶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ወፍሪ ጥፍኣት ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘለዉ መንእሰያትን፤ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይትኡ ብዘየገድስ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ተቓላሳይን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ንምምራሽ ትልምና ይጅምር ኣሎ።
መንእሰይ ዓንዲ ማእከል ቃቤላ ኢዩ። መንእሰይ ወለዶ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ኢኻ‘ሞ ኩልኻ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘለኻ መንእሰይ ብሸፈጥ ናይ 18 ኣዋርሕ ን18 ዓመታት ዝኸርተትካ፤ ብዘይ ሓዳርን ውላድን ዝሰየብካን ዝበራሕካን ኢኻ። ኣብ ኲናት ባድመን ጂቡቲን ዝተለብለብካን ሕጂ‘ውን ንዳግማይ ጥፍኣትካ ዝእለም ዘሎ ሪኪያሞ ሞት ኣስተውዒልካ ኣባል ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ንምዃንን ነቲ ክቐብረካ ዝህንደድ ዘሎ ሰራም ስርዓተ ህግደፍ ኣብቲ ዝኾዓቶ ህጉም ንምቕባሩን ተዳሎ።
ንሕና መስረትቲ ግንባር ዓደቦ ደጊም ስለ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊን ግብራዊን ቁሩቁስ ሜዳ ኣቲና ኢና። ሰብኣዊ ክብርታት ህዝብና ንምምላስ ፖለቲካዊ ቃርሳ ክንጻወት ዝወሰድናዮ ምርጫ| ከም እንዕወተሉ ድማ ኣይንጠራጥርን ኢና።
ኣብ ፖለቲካዊ ቃርሳ ምእታውን ምጽዋትን ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኩላቶም መንእሰያት ኤርትራውያን ብሓባር ክሳብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመረጾ ስርዓት ዝተክልን ኣመሓደርቱ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመርጽን ርሱን ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ንክንጅምር እጅገና ሰብሲብናን ቁልፍና ሸጥ ኣቢልናን ተበጊስና ኣሎና’ሞ ዝተረፍካ ወዲ መሬት ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ!!

ፖለቲካዊ ስልጣን ንብረት ህዝቢ ኢዩ!

ንቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ብዝምልከት ግንባር ዓደቦና ንጹር ዝኾነ መርገጺ ኣለዎ። ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ንዘሎ ፖለቲካዊ ስልጣን ንብረት ህዝቢ ምዃኑ ይኣምንን ይቃለስን። ንፖለቲካዊ ስልጣን ብዝምልከት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዳግማይ ጌጋ ንከይወድቕ ኩሉ መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፊታትን፤ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስዊ ለውጢ፣ ስልጣን ንህዝቢ ንከረክባ ብንጹርን ድሙቕን ኣዋጅ ከፍልጣ ይግባእ።
ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ማለት ኣሰላልፋ፣ ኣመዓባብላ፣ ናብ ስልጣን ኣመጻጽኣን ባህርያትን ኢሳይያስ ርኢኻ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ከም ትኽተል ዘካትዕ ኣይኮነን። ደማዊ ንዝኾነ ኢሳይያስ፣ ብታቦት ኢየሩሳሌም ለሚንካ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከተውርዶ ድማ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ፈለማ መድረኽ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝህልዉ

ኣዝዮም ህጹጻት መደባት፦

ቀዳማይ ብቕልል ዝበለ ቃላትን ብዘይ ቅድመ-ኩነትን
ዝእወጅ ነጋሪት ኣዋጅ፦

ሀ) ሕረስ ሓረስታይ፣
ለ) ሸቅል ሸቃላይ
ሐ) ንገድ ነጋዳይ፣
መ) ተመሃር ተመሃራይ

ድሕሪ ምእላይ ውልቀ ምልኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ስርዓቱን፣ ምስቶም ግዝኣት ሕጊ-ኣልቦ ፍጊዕ ዝበሎምን ኣብ ለውጢ ዝኣምኑን ኣዝዮም ውሑዳት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምርድዳእ ንምግባር ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። መብዛሕትኦም ኣብ ማእከላይ እዚ ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደለይቲ ለውጢ ክኾኑ እንከለዉ፤ ታሕተዎት ሓለፍቲን ዳርጋ ብሙሉኦም ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ከኣ ደለይቲ ሓርነት ኢዮም። ስለዚ ነዚ ብሱል ኩነታት ብምግንዛብ፣ ኣብ ምድረ-ኤርትራ ሓርነት ንምጉንጻፍ፣ ንሕና መስረትቲ ኣባላት እዚ ሓድሽ ግንባር ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ብጾትና ብኣዝዩ ጸቢብን ምስጢራዊን ዝኾነ መንገዲ ኣፈናዊ ርክብ ኪካየድ ጸኒሑ ኢዩ።
እቶም ብውሽጢ ኤርትራን ብደገን ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ኣባላት ግንባር ዓደቦ፤ ምስቶም ኣብ ዘመነ-ራዕዲ ዘመን ህግደፍ ክሳዶም ኣድኒኖም ዝቐነኑ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት እቲ ስርዓት (ሚኒስተራት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣማሓደርቲ ዞባታት፣ ሰብ መዚታት) ዝነበሩ ሰበ-ስልጣናት፤ ብሓባራዊ ስምምዕ ሰፊሕ ግንባር ንምቛም ጻዕሪታት ክግበር ኢዩ። እቶም ብድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብሃገራዊ ሓላፍነት ዝተወዳደቡ ሓይልታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ንካልኣይ ግዜ ከይታለል ብሓያል ሃገራውነት ንክሰርሑ ምሕጽንታ ምቕራብ።
እቶም ናይ ሓባር ግንባር ወይ ልፍንቲ ዘቖሙ ሓይልታት ብኣዝዩ ህጹጽ ግዜ “ይርሓሰና” ዝበልዎ ሕውስዋስ ወተሃደራውን ሲቪላውን ኣካላት ዝዀነ ሓላዊ ወይ ሞግዚታዊ ምሕደራ ይስየም። ቀንዲ ካብ’ቲ ህጹጽን ኣገዳሲን ዕማማት ሞግዚታዊ ምሕደራ፦

1. ህጹጽ ምፍታሕ ንኩላቶም ብዘይ ገበን ዝተኣስሩ ኤርትራውያን፣

2. ኩላቶም ብኣዋጅ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ንነዊሕ ዓመታት ስለ ኮረሻ ስልጣን ኢሳይያስ ዝኸርተቱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነናብ ቤተ ሰቦም ምምላስ። ሰላማዊ መነባብርኦም ንምክያድ ምትብባዕን ዓቕሚ ሃገር ብዘፍቅድ መንገዲ መጣየሲ ከም ዝረኽቡ ምግባርን።

3. መሪሕ መኰንናት ሰራዊት ኤርትራ ንሰላምን ርግኣትን ሃገር ቀዳምነት ሂቦም ጥንቁቕን ሓላፍነታውን ኣካይዳ ብምዝውታር ከምዝተሓባበሩ ምግባር፣

4. ሰራዊት ኤርትራ ውደባኡ ኣወሃሂዱን ጥርናፈኡ ዓቂቡን ጸጥታ ሃገርን ድሕነት ህዝብን ብዘተኣማምን ኣገባብ ከምዝሕሉ ምግባር፣

5. ህጹጽ ረድኤት መግብን መድሃኒትን ኣብ ኩሉ ወገናት ኤርትራ ንዘሎ ህዝቢ ከም ዝባጻሕ ምግባር፣

6. ምቛምን ምውፋርን ሽማግለ ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፣

7. ብኣህጉራዊ ደረጃ ምስሊ ኤርትራ ንምሕዳስ ሓደ ብቑዕ ዲፕሎማስያዊ ሽማግለ ምስያምን ምውፋርን፣

8. ኣብ ዘመን ህግደፍ ንዝተበላሸወ ክብርታትን ዝተባሕጎጐ ባህሊን ንምምላስ፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርን ናብ ወጻኢ ናብ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ጽዑቕ ባህላዊ ወፍሪ ምጅማር።

9. ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝጸንሓ ሰልፊታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ከካብ ዘለዋኦ ሃገራት ናብ ኤርትራ ኣትየን ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ንክንቀሳቐሳ ዕላዊ ጻውዒት ምግባር፣

10. ሞግዚታዊ ምሕደራ ዘቕርቦ መብዛሕተአን ፖለቲካውን ሲቪካውን ጉጅለታት ከኣ ዝቕበልኦ ሲቪላዊ ኣካል ዝዓብላሊኡ ጊዚያዊ መንግስቲ ምቛም። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንውሳኔ ብዝምልከት እጃም እተን ዝተፈላለያ ጉጅለታት ብመሰረት ናይ ዘለወን ብዝሒ ኣባላትን ሰዓብትን ይውሰን።
II

ገለ ካብ’ቲ መሰረታዊ ዕማማት ጊዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ

እዚ ዝስዕብ ክኸውን ኢዩ፦

1. ምውዳብ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቅን ዋዕላን፤ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ቃልሲ ብሓይልታት ተቓውሞ ንዝተዳለወ ሰነዳት ምውካስ፤

2. ብመሰረት ናይ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሕንጽጾ ዕላማን ራዕይን፦

(ሀ) ምቛም ሽማግለ ምንዳፍ ሕገ መንግስቲ፣
(ለ) ምቛም ኮሚሽን ምርጫ ንባይቶ ኤርትራ፣

3. ብሓልዮት ኮምሽን ምርጫ እቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ ብርግኣትን ቅንዕናን ንኽካየድ እቲ ዝድለ ጸጥታዊ ኲነት ምርግጋጽ፣

4. መስርሕ ምርጫ ተዛዚሙ ባይቶ ድሕሪ ሙቛሙ ብባይቶ ንዝተሰየመ ውጹእ ሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ምርካብ።

ንዓይነት መንግሰትን ምሕደራዊ ኣቀዋውማን ንማሕበረ ቁጠባዊ ፖሊሲን ኣህጉራውን ዞባውን ዝምድናታትን፤ ንዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን ብዝርኢ ምስ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላን ምንዳፍ ቅዋምን ብዝተተሓሓዘ ምርድዳእን እንካን ሃባን ህዝቢ ኤርትራ ውሳኔኡ ክህብ ኢዩ።

1.ንረብሓ ኢሳይያስን ጭፍራ ህግደፍን ተባሂሎም ዝተኣወጁ፦
1.1 ዝፈርሱ ኣዋጃት

ሀ) ኣዋጅ ምቛም ዞባታት ፈሪሱ ኤርትራ ብህጹጽ ቅድም ናብ ዝነበረቶ ፖለቲካዊ ካርታ ምምላሳ። ምምሕዳራት ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ከባቢን ዓዲን ምቛም።
ለ) ኣዋጅ መሬትን ናይ ከተማ ኣባይቲን
ሐ) ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎን
መ) ኣዋጅ ፍሉይ ቤት ፍርዲ
ሰ) ኣዋጅ ክረምታዊ ማእቶት ተመሃሮ
ረ) ኣዋጅ ምኽፋል 2% ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ

1.2 ዝምመዩን ዝመሓየሹን ኣዋጃት

ኩላቶም ካብ 1991 ክሳብ ውድቀት ህግደፍ ብነጋሪት ኣዋጃት ጋዜጣ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሑ፣ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ብስርዓት ህግደፍ ዝተኣወጁ ኣዋጃት ዳግማይ ብክኢላታትን ሰብ ሞያ ሕጊን ከም ዝረኣዩን ክሳብ ምጽዳቕ ሃገራዊ ቅዋም ድማ ክጉዘዩን ጥቕሞምን ጉድኣቶምን ተፈሊጡ ብግሉጽ ኣገባብ ክብወዙ። ኣብ መወዳእታ ውሳኔኦም ብባይቶ ከም ዝጸድቕ ይግበር። ከም ደበስ /ካሕሳ/ ንስድራ ቤት ስዉኣት፣ ከምኡ’ውን ስትሕጋግ ንተጋደልቲ፣ ካሕሳ ናይ 30 ዓመታት ኲናትን ዕንወትን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ …ወ.ዘ.ተ ዝኣመሰሉ ዝተረስዑ ኣዋጃት ከም ብሓድሽ ከም ዝረኣዩ ምግባሮም።
ንጥቕሚ ህግደፍን ሰበስልጣናቱን ተባሂሎም ዝተኣወጁ ክስረዙ፣ እቶም ኣድለይቲ ተባሂሎም ብክኢላታት ዝተኣምነሎም ኣዋጃት ክቕጽሉ፣ እቶም ዘከራኽሩ ኣዋጃት ድማ ከከም ኣድላይነቶም እናተራእዩ ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ከም ዝፍረዱ ምግባሮም።

ቀንዲ ዕላማታት ግ.ዓ.ሓ.ኤ.

ቅርጺን መልክዕን ፖለቲካዊ መንግስቲ፦

ኣብ ቦታ መንግስቲ ህግደፍ፣ ቅዋማዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል፣
ሀ) ህግደፍ ዝተኸሎ ኩሉ ዓይነት ምምሕዳራት ኣፍሪስካ ኣብ ቦትኡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስልጣን ምንጋስ። ስርዓት ህግደፍ ንምልካዊ ስልጣን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክብል ዘተኣታተዎ ኣገባባት፣ ሕግታትን ሕጋጋትን ምስራዝ። ካብ ብልሽውና ናጻ ዝኾነ፣ ብዘዕግብ ደሞዝ ዝናበር ሰራሕተኛ መንግስቲ ምምልማል።
ለ) ንጥቕሚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕርነት ዘገልግል ኣብ ሓድሕዳዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ፣ ካብ ምጥርጣር ናጻ ዝኾነ ህዝባዊ መንግስቲን ምምሕዳራትን ምትካል።
ሐ) ኣብ ኩላተን ኣውራጃታት ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመርጸ ናጻ ናይ ህዝቢ ወኪላት ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ምቛም። እዚ ህዝባዊ ባይቶ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝህልዉ ሕግታት እንዳባን ዘመናዊ ሕግታትን ተወኪሱ ይሕንጽጽን የተግብርን።
መ) ናጻ ናይ ርእይቶ መድረኽ፣ ናይ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፊን መሰላት፣ ምእዋጅ ሕጊ ናጻ ፕረስ የተግብር። ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ብሕጊ ምእዋጅ፣ ካብ መንግስታዊ ጽልዋን ቁጽጽርን ናጻ ዝኾና ናይ ሰራሕተኛታት፣ ኣስራሕቲ፣ ሓረስቶት፣ መንእሰያት፣ ደቀንስትዮ፣ ተመሃሮን ሞያውያንን ማሕበራት ምፍቃድ።
ሰ) ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ ምርግጋጽ፣ ናይ መዝነት፣ ባህላዊን ቁጠባዊን ደረጃ፣ ብሄራዊን ጾታዊን ወ.ዘ.ተ… ኣድልዎ ዘይብሉ ማዕርነታዊ ዝምድናታት ምሕላው።
ረ) ምስ ጭፍራ ህግደፍ ብምሽራኽ፣ ንናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን ከደልድሉ፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ገንዘብን መሬትን ዝመንዝዑን ኣብ ውሽጢ’ዘን ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበናት ዝፈጸሙን ኩላቶም ናብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ።

መልክዕ ቁጠባዊ መዋቕር፦

ብውጥን ዝምራሕ ሃገራዊ ስርዓተ-ቁጠባ ምትካል:

ሀ) ሕርሻ፦

ጽላት ሕርሻ ዝለዓለ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ፣ ዓቢ ወፍሪ ንክግበረሉ ምጽዓር። ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ኩሉ ብሓይሊን ብዝተፈላለዩ ምስምሳትን ዝተመንዝዐ፣ ብስዉር ዋንነት ጀነራላት ዝካየድ ዓበይቲ ናይ ሕርሻን መጓሰን ቦታታትን፤ ኣብ ሃብታም ለሰታት ኣብ ኢድ ህግደፍ ዘሎ መሬት ዓድታትን ደረጃ ብደረጃ ነናብ ዋናታቱ ምምላስ።
ዓበይቲ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተወስዱ ኮንቸስዮነታት ብምዕቡል ኣገባብ ማሕረስን ስነ-ፍልጠታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ሕርሻን ናብ ጥቕሚ ህዝቢን ሃገርን ከም ዝውዕል ምግባር።
መሬት ኣብ ጥቕሚ ሓራሲኡ ንምውዓል ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መሬት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ ዋናታቱ ክምለስ። ዘመናዊን ምዕቡልን ናይ ሕርሻን ጉስነትን ስርዓት ንክሕዝ ናይ ሓረስቶት፣ ጓሶትን ሰበኽ-ሳግምን እቶትን ናብራን ከመሓይሽ ዝኽእል ናይ ምትሕግጋዝን ሕብረትን ኩነታት ንክፍጠር ምትብባዕ።
ናይ ኤርትራውያን ሓረስቶት ጸገማት ንምቅላል ምስ ዘመናዊ ናውቲ ማሕረስ ኣብ ርእሲ ምልልላይ፣ ናይ ኣማኸርቲን ክኢላታትን ድጋፍ ምግባር።
ናይ መሬት መልምዒ ዱኽዒታት፣ ዒላታትን ሓጽብታትን ምሕጋዝ።
ናይ እንስሳ ሓለዋ ጥዕናን መጎዓዚን ገንዘብን… ሓገዛት እናገበርካ ዘመናዊ ናይ ሕርሻ መደባት ከም ዝሕዙን ናብርኦምን ኩነታት ስርሖምን ከም ዝመሓየሽ ምግባር።
ሰበኽ-ሳግም ኤርትራውያን ወለድ ዘመናዊ ናይ እንስሳታት ምፍራይ መደብ ንክሕዙ ምጽዓር። ኣብ እተወሰነ ልሙዕን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ዝረኽቡሉን ቦታታት ምቕማጥ ንክለምዱ፣ ብሕርሻ ንክምዕብሉ ናብርኦም ንከመሓይሹን ናይ እንስሳታት ምፍራይን ሓለዋን ጥዕናን ሕርሻን ትምህርቲ ምሃብ ናይ ኣማኸርቲን ክኢላታትን ገንዘብን ሓገዝ ምግባር።
ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ይኹን ህግደፍ ዘተኣታተዎ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ዓድታትን ዚርከብ ናይ መሬት ምስሕሓብን ዘይምድልዳልን ረብሓ ናይቲ ውጹዕ ወገን ምስ ጥቕሚ ሃገራዊ ምህናጽ ኪወሃሃደሉ ብዝኽእል ኣገባብ ብሰላማዊ መንገዲን ብስምምዕን ከም ዝፍታሕ ምግባር።
ኣብ ገጠርን ከተማታትን ቁጠባዊ ትሕዝቶን ኩነታት መነባብሮ ህዝቢን ምምዕባልን ምቅርራብን
ሰፋሕቲ ሕዛእቲታትን ኣብ በረኻታት ዚርከቡ ኣግራብን /ከምቲ ሓምላይ ቅናት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ/ ንብረት መንግስቲ ምግባር። ደቂ ዓዲ ንሕዛእቲ ብዘይጓዳእ ኣገባብ መሬቶም ከም ዝጥቀሙሉ ምግባር።
ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንዝባደመ መሬት፣ ብዘአናውያን ናይ ንግዲ ኣግራብ ከም ኣግራብ ንዕንድዳ ቀንጠብ፤ ናይ ምግራብ ወፍሪታት ምግባር። መሬት፣ ኣግራብን እንስሳታትን በረኻን ንከይበርሱ ምሕላው።
ኣብቲ ቁጠባዊ ውጥን ኣብ መንጎ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዘሎ ዝምድና ብግቡእ ከም ዚሕሎ ምግባር።

ለ) መጉዓዝያን ኢንዱስትሪ፦

ኣብ ኢድ ህግደፍ ዝጸንሐ ዝርካቡ ትካላት ኢንዱስትሪ፣ ካብ ሳሕል ዝኣተዉን ብድሕሪ ናጽነት ዝተተኽሉን ፋብሪካታት፣ ናይ መዐደኒ ቦታታትን ማሕጎዳታትን ወ.ዘ.ተ… ንብረት ሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ ምግባሮም። ኣብ ከባቢ መዐደኒ ዝነብር ህዝቢ ስራሕ ናይ ምርካብ ቀዳምነት ከም ዝረክብ ምሕጋዙ።
ጉዳይ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ምዕዳንን ንረብሓ ህግደፍ ተባሂሉ ምስ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተገብሩ ውዕላት ከም ብሓድሽ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘገልግሉ ኮይኖም ከም ዝመሓየሹ ምግባሮም። ነቶም ፈጺሞም ጎዳእቲ ህዝቢ ዝኾኑ ውዕላት ከኣ ምስራዞም።
ኩሉ ዓይነት መጉዓዝያታት፦ ናይ ምድሪ፣ ባሕሪን ኣየርን ከምኡ’ውን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ፣ በለዛ ወ.ዘ.ተ… ብሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝውነን ምግባር።
ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ብግቡእ ምምዝማዝ፣ ብቀዳምነት ነበርቲ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ምጽዓር። ፍርያት ምህርቲ ጨው ምዕባይ፣ ኣብ መሬት፣ ከባቢ ባሕሪን ውሽጢ ባሕሪን ዘለዉ ማዕድናት፣ ዕቑር ጭቃ ነዳዲ፣ ባህርያዊ ጋዝ ወ.ዘ.ተ… ምድህሳስን ብዝቐልጠፈ ኣብ ረብሓ መላእ ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ወለዶታትን ከም ዝውዕል ምግባሩ።
ምትብባዕን ምዕዳምን ነቶም ብሰንኪ ቄናን ፖሊሲ ህግደፍ ተባሪሮምን ተጓንዮምን ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንኣሽቱን ማእከሎትን ኢንዱስትሪታት ከም ዝትከሉ ምግባር። ከበድቲ ኢንዱስትሪታት ንምትካል ቀጻሊ ጻዕርታት ምዝውታር።

ሐ) ንግዲን ፋይናንስን፦

ናጻ ስርዓተ ንግዲ ምትእትታው። ዋጋታት ንብረት ብሕጊ ዕዳጋ ዝምእዘዙ ክኾኑ ኣለዎም። ኣብ መንጎ ቀረብን ጠለብን ንብረት ንዝህሉ ዝምድና ብደቂቕ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምምስራት። መሰረታውያን ሃለኽቲ ንብረት ሕጽረት ከየጋጥም ወትሩ ምክትታል።
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምን ንዝግበር ሓባራዊ ቁጠባዊ ዝምድናታት ንምድንፋዕ ኣድላዪ ጻዕሪታት ምግባር። ምስ ኩላተን ሃገራት ዓለም ፖለቲካዊ ስርዓተን ብዘየገድስ፣ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመስረተ ቁጠባዊ ዝምድናታት ምምስራት።
ንቁጠባዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻርን ንቁጠባዊ ምዕባለ ንምፍጣንን ናይ ባንክ ስራሓት ዝከታተል ኣካል ምቛም። ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህባ ባንክታትን ናይ መድሕን ኩባንያታትን ምትእትታው።
ኩሉ ናይ ውሕስነት ማሕበራትን ባንክታትን ናይ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ኮርፖረሽን ኣውፈርቲ ምግባር። ንንግዳዊ ባንክ ኤርትራ፣ ንባንክ ንግዲን ኣባይትን ከምኡ’ውን ንባንክ ወፍሪን ልምዓትን ኤርትራ ስርዓተ-ምምሕዳሩ ግሉጽን ዲሞክራስያዊን ጌርካ፣ ኣብ ሙሉእ ሃገር ንዘለዎ ጨናፍር ዓቂብካ ከም ዝሰርሕ ምግባሩ።
ቅርጺ፣ ስርዓተ-ምምሕዳርን ኣወዳድባን ኣመሓይሽካ ንሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ግቡእ ስራሓቱ ከም ዘካይድ ምግባር። ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ተባሂሉ ክጽዋዕ፣ “ናቕፋ” ዝብል መጸውዒ ስም ባጤራ ኤርትራ ተሰሪዙ፣ ካብ ህዝቢ ብዝተወከለ ባይቶ ዝውስኖ ናጻ ዝኾነ ንሙሉእ ሃገር ዝውክል፣ ኣብ ዓቐንን ሕብሪን ፍልልይ ዘለዎን ብቐሊል ብህዝቢ ዝልለን ፍቱውን ሃገራዊ ባጤራ ርጉእ ብዝኾነ መንገዲ ምሕታም። ስርዓተ-ልቓሕን ምሕደራን ናይ ኩላተን ባንክታት ብእዉጅ መንገዲ ምንጻር። ኣገልግሎት ባንክ ንምምሕያሽ ዘመናዊን ብተክኖሎጂ ዝተሰነየን ስርዓተ-ምንቅስቓስ ገንዘብ ምትእትታው።
ርትዓዊ ሕጊ ጉምሩክ ምትእትታው። ንኣታዊን ወጻኢን ንብረት ዝምልከቱ ሕግታት ምርቃቕ፣ ስርዓተ-ግብሪ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ንህዝቢ ብዝርደኦ ኣገባብ ምእዋጅ።
ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገር ንዝወጽእን ናብ ውሽጢ ሃገር ንዝኣቱን ይዕበ ይንኣስ ንብረት ብጽኑዕ ምቁጽጻር። ንኮንትራባንድ ብጥብቂ ምክትታል። ኣሃዱታት ፋይናንስ ፖሊስ ኣብ ዶባት ምሕያል።

መ) ጉዳይ መሬትን ኣባይቲን፦

ኩሉ ናይ ከተማ መሬት ናይ መንግስቲ ንብረት ይኸውን። መሬት ምክራይ ፍቑድ ኮይኑ ብመንግስታዊ ሕጊ ይውሰን።
ብህግደፍ ዝተሃገሩ ኣባይቲ ዳግም ብርትዓዊን ዲሞክራስያዊን ኣገባብ ምርኣይ። በቲ ስርዓት ንላዕለዎት መኮንናት ዝተዓደሉ ኣባይቲ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት መኮንናት ህግደፍ ንዋናታት ጸሪጎምን ኣባሪሮምን ብሓይሎም ዝመንዝዕዎ ኣባይቲ፣ ነናብ ዋናታቶም ምምላስ። ነዚ ንምትግባር ድማ ኣብ መንጎ ዋናታት ኣባይቲን መኮንናት ህግደፍን ንጹር ናይ ግዜ መቓን ምግባር።
ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ እኹል ሰብ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሽማግለታት መሬት ብዝቕይስዎ ዓቐን ጤሳ ምዕዳል። ዓቕሚ ንዘለዎም ዜጋታት ድማ ሽማግለታት ዓዲ ብዝውስንዎ ዓቐን ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዝረክብ ምግባር። ዝኾነ ዓቕሚ ርእሰ-ማል ዘለዎ ዜጋ ማስተር ፕላን ብዝፈቕዶ መሰረት ንመንበሪ ዝኾኖ፣ ወይ ድማ ሰሪሑ ንዘካርዮ ገዛ ኪሰርሕ ምፍቃድ።
ኣብ መንጎ ዋናታት ኣባይቲን ተኻረይቲን ንዝጸንሐ ዘይርትዓዊን ተለዋዋጢን ኣዋጃት ህግደፍ ኣፍሪስካ፣ መነባብሮ ህዝቢ ብግብሪ ንምምሕያሽ ንስርዓተ ክራይ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ ኣዋጅ ምእዋጅ።
ናይ መንበሪ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ኩላተን ከተማታትን ሓውሲ-ከተማታትን ኤርትራ ብመንግስቲን ኮርፖረሽናትን ዝውነን ኣባይቲ ምህናጽ።
ሚኒስትሪ ህንጻ ንጹርን ናጻን ዝኾነ መስመር ተኸቲሉ፣ ነቲ ኣብ ዘመነ-ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረ ዘይምዕሩይ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣፍሪሱ ንህዝቢ ብዘርብሕ ኣገባብ ሃገራዊ ወፍሪ ምትእትታው።
ብስም “ኩባንያታት ህንጻ” ኣብ መላእ ኤርትራ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝተፈጥራ፣ ንዜጋታት ኤርትራ ናብ ዘመናውያን ጊልያታት ዝቐየራ ኣስራሕቲ ምፍራስ። መተካእታአን ብክኢላታትን ሰብ ሞያን ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ንክምስረት ምትብባዕ።
ደገፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ዜጋታት ብምኽንያት ቦንድ፣ ብሕኸኸኒ ክሓከካን ወገንን ብዘይ ካሕሳ ዝተዋህቦም መሬት ደቂ ዓዲ፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ዋንነት ዓዲ ከም ዝምለስ ምግባር። እቲ ገና ናይ ዋንነት ደብተር /ሉብሬቶ/ ዘይተገብረሉ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተሰርሐ ህንጻታት ደቂ ህግደፍ፣ ንካሕሳ መሬት ብዝምልከት ብሃገራዊ ባይቶ ክውሰን።
መነባብሮ ስንኩላን ንምምሕያሽ ምስ ስንክልንኦም ዝሰማማዕ ኣባይቲ ብህጹጽ ምህናጽ። ናይ ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ምዝንጋዕን ተሃድሶን ማእከላት ምስራሕ።
ንኩሉ ካብ ዕለት ሓደ ወርሒ መስከረም 1961 ክሳብ ዕለት 24 ወርሒ ግንቦት 1991 ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ስለ ህዝቢን መሬትን ክብል ንእስነቱ ዝወፈየ ዜጋ፣ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብሰንኪ ሃላሊ መሪሕነት ህግደፍ ዝወልዖ ኲናት ባድመን ካልኦት ውግኣትን ንዝሰንከሉ ኤርትራውያን ቅድም ቀዳድም ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ንመንበሪ ዝኾኖም መሬት ምዕዳልን ምስራሕን።

ሰ) ጉዳያት ባህሊ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሃይማኖት፤

1. ባህሊ፦

ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ወረጃ ባህሊ ምዕቃብ። ሓድሕዳዊ ምክብባር፣ ሓልዮትን ስጋይ-ስጋኻ ምባልን ምሕላው። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምብታን ካብ ግዜ ምምስራት ሰልፊ ህግደፍ በብቑሩብ ዝተኣታተዉ ዝነበሩ ኣዕነውቲ ባህሊታትን ስነ-ምግባርን በብቑሩብ ከም ዝቕየሩ ምጽዓር።
ስርዓት ህግደፍ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓን ህላዌን ክብል ዘተኣታተዎ ባዕዳዊ ባህሊታት ንምጥፋእ ምቅላስ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብኣውራጃ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቀቢላ፣ ዓዲን ስድራ-ቤትን ንዝፈጠሮ ምፍልላይን ኣብ ማእከል ህዝቢና ዘስፈኖ ዘይምትእምማንን ምጥፋእ።
ኩላተን ብሄራት ኤርትራ ንክብሪታተን ዝምልከት ባህሊ ንክዕቅባ ምትብባዕ። ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ባህሊ ንምፍላጥ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ምምሕልላፍ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ኣርባዓታት ክሳብ 1991 ንዝሓለፎ ጉዕዞ ጅግንነት ብሓደ ሸነኽ፤ ኣብዘን 21 ዓመታት ንዘሕለፎ መሰክሕ ግፍዒን ስደትን ከኣ በቲ ካልእ ወገን፤ ብጽሑፍ፣ ድራማ፣ ሙዚቃ፣ደርፊታትን መዛሙርን ምትሕልላፍ። ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ዝተባሕጎጐ ክብርታትን ባህልታትን ህዝቢ ኤርትራ ንምሕዋይ ከቢድ ጻዕሪ ምግባር። እቶም ዛጊት ኣሰራቶም ዘይጠፍአ ዘሎ ተጋዳላይ ስነ ናጽነት ክብል ዝዋጋኣሎም ዝነበረ ዕርድታት ከም ናይ ጅግንነትን መኸተን ቅርስታት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ። ኣኽብሮት ንስዉኣትን ስንኩላንን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ ከም ዝብል ምግባር። ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገርና ጀጋኑ ዚዝከሩሉ ሓወልቲታት ምህናጽ።
ንመንእሰያት ወለዶ በቲ ክቡር ህዝባዊ ባህሊ ኤርትራ ምኹስኳስ። ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ፣ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ብፍላይ ኮነ ተባሂሉ ብስርዓት ህግደፍ ንዝተሰበሎ ፍርሒን ሽቑረራን ምውጋድ። ብታሪኹን መንነቱን ዝሕበን፣ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን ንዝዓቢ ወለዶ ምምሃርን ምትብባዕን።
ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚን ረብሓን ዝተመስረተ፣ ናይ ትምህርቲን ባህሊን ተመኩሮታት ምልውዋጥ።
ንምሁራትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ክእለቶምን ፍልጠቶምን ንመንእሰያት ምትሕልላፍ፣ ብኡ መጠን ድማ ባህላዊ ደረጃ ህዝቢ ክብ ከም ዝብል ንምግባር ኣበርቲዕካ ምስራሕ።

2. ትምህርቲ፦

ስርዓት ህግደፍ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራውያን ንምብላል ኮነ ኢሉ ዘተኣታተዎ ዝሩግ ካሪክለም፣ ዳግማይ ምውዳብ። መሃይምነት ካብ ገጽ ኤርትራ ንምጥፋእ፣ ቅድሚ ኩሉ ናብ ርሑቕ ገጠራት ዘማዕደወ ግብራዊ ናይ ምምሃር ወፍሪታት ምጅማር። ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ንዝነብር ህዝቢ ከከም ጉጅለኡ ደረጅኡ ዝሓለወን ዕላምኡ ዘነጸረን ስርዓተ-ትምህርቲ ምትእትታው።
ርትዓዊ ደሞዝ ዝኽፈሉ ብቑዓት መማህራን ምስልጣን። ንርሑቕ ከባቢታት ማእከል ዝገበረ ኣብያተ ትምህርቲ ምስራሕ። ተመሃሮ ኣብ ግዜ ህግደፍ ብዝረኣዩዎ ተስፋ ዘቑርጽ ስርዓተ-ትምህርቲ ሰጊሮም ብሓድሽ መንፈስ ብትግሃት ንምምሃር ክብገሱ ምኹስኳስ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዩኒቨርሲቲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ድማ ኮለጃት ምህናጽ።
ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ንክመሃር ምግዳድ። ነፍስ-ወከፍ ብሄር መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ናይ ምምሃር መሰል ከም ዘለዋ ምፍላጥ። ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ከም ክፋል ትምህርቲ /ሳብጀክት/ ምትእትታው። ንንፉዓት ተመሃሮ መተባብዒ ምዕዳል፣ ማህደረ ትምህርቲ ዝረኽቡሉ መንገድታት ድማ ምፍታሽ።
ብመንግስቲ፣ ውልቂን ብማሕበራትን ዝመሓደራ ኩሉ ዓይነት መህመሪን መዘናግዒን ዘማልኣ መዋእለ ሕጻናት ምስፍሕፋሕ። ንትምህርቲ ካብ ሃይማኖት ምፍላይ።
ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዘመናዊ ኣብያተ-መጻሕፍቲ /ላይብረሪ/ ምዝርጋሕ፤ ንስርዓተ ትምህርቲ ዝሕግዝ ናይ ተክኖሎጂን ኢንተርነትን ዝርጋሐ ምትብባዕ።
ተመሃሮ ብቑዓት ዜጋታት ንክኾኑ ብቅኑዕ ስነ-ምግባር ከም ዝምልመሉ ምግባር። ተመሃሮ ትጉሃትን ተመራመርቲን ንክኾኑ፣ ሓቀኛታትን ህርኩታትን ኮይኖም ንክዓብዩ ምጉስጓስ። ነቲ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወለዶ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ንምጽባብ መንግስቲ ምስ ግዜ ንክቀዳደም ጽኑዕ ምቁጽጻር ክግበረሉ።

3. ጥዕና፦

ንኩሉ ዜጋ ብማዕረ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ምግባር። ሕክምና ናብቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብትኽክል ከም ዚዝርጋሕ ምጽዓር።
ኣብ መላእ ሃገር ሆስፒታላት፣ መደበራት ጥዕናን ክሊኒካትን ከም ዝበዝሓ ምግባር። ነተን ብህግደፍ ዝተሰርሓ ናይ መወከሲ ሆስፒታላት ዘድሊ ንብረትን ዓቕሚ ሰብን ብምምዳብ ግቡእን ናጻን ኣገልግሎት ከም ዝህባ ምግባረን።
ንነብሰ-ጾራትን ሓራሳትን ፍሉይ ክንክን ምግባር። ነብሰ-ጾራትን ሓራሳት ኣዴታትን ዝረኣያሉ ክሊኒካት ምህናጽ።
ንልምዳዊ ኣገባብ ፍወሳን መድሃኒትን ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ምድህሳስን ቀጻሊ መጽናዕቲ ምግባርን። ነቲ ኣብ ሜዳ ርኡይ ምዕባለ ኣምጺኡ ዝነበረ መድሃኒት ናይ ምፍራይ ዕማም፣ ደሓር ብስርዓት ህግደፍ ዝተቛረጸ ስራሕ ምጅማሩን ምክትታሉን።
ጥዑያት ዜጋታት ንምፍራይን ንምህናጽን ወትሩ ምክትታል።

4. ሃይማኖት፦

ሀ) ሃይማኖታዊ እምነት ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምሕላው።
ለ) ሃይማኖት ካብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፣ ፖለቲካን መንግስታዊ መዋቕርን ምፍላይ።
ሐ) ኣብያተ-ሃይማኖታት ኤርትራ በብከባቢን ብኣውራጃ ይኹን ብሃገር ደረጃ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝህባሉን ሃይማኖታዊ ዋዕላታት ዝገብራሉን መሰላት ምፍቃድ።
መ) ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተዓጽዋ ሃይማኖታት ዳግም ከም ዝኽፈታ ምፍቃድ። ካብ ኩሉ ሃይማኖታት ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ንዝተኣስሩ መራሕቲን ምእመናንን ሞራልን መተባብዒን ምሃብ።
ሰ) ሃይማኖት መሰል ብሕቲ፣ ሃገር ግን ናይ ሓባር ንዝብል ቅዱስ ሃገራዊ ስነ-ሓሳብ ንዳሕረዎት ወለዶታት ምውራስ።
ረ) ኣብ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኣድባራትን መሳጊድን ዝተዘምቱ ናይ ብራና ቅዱሳት መጻሕፍቲን ንዋየ ቅዱሳንን ናብ ንቡር ቦትኦም ከም ዝምለሱ ምግባር።

መሰል ማሕበራት

ሀ) መሰል ሰራሕተኛታት፦

ሃገር ብኢንዱስትሪን ሕርሻን መታን ክትምዕብል ዝኸበደ ዕማም ዚስከም እቲ ሰራሕተኛ ክፍሊ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፣ ነዚ ዕማም’ዚ ንምፍጻም ሰራሕተኛ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዚውደብን ክእለታዊ ዓቕሙ ክብ ከም ዝብልን ምግባር።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንዝነበራ ፋብሪካታት ብድሕሪ ምዕናዉ ሰራሕተኛታት ከም ዝተበታተኑ ፍሉጥ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ሰራሕተኛታት ህይወቶም ንምምራሕ ኣበርክተኦም ንምዕዛዝን ነቲ ንረብሓ ህግደፍ ክሕሉ ተባሂሉ ብስም /ሃኮሰኤ/ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝብል ስማዊ ማሕበር ግብራዊ ጥቕሚን ረብሓን ሰራሕተኛታት ብዝሕሉ ኣገባብ ዳግማይ ምውድብ።
ነቲ ብህግደፍ ዝተነድፈ ሕጊ ዕዮ ኤርትራ፣ ንሰራሕተኛታት ብዘርብሕ፣ ንምዕባለ ሓዳስ ኤርትራ ከኣ ብዘሰጉም መንገዲ ዳግማይ ምምሕያሽ ይግበረሉ።
ግቡእ ናይ ጥሮታ መሰል ምኽባር። ንገዳይም ሰራሕተኛታት እናወደብካ ታሪኽ ናይተን ብህግደፍ ዝዓነዋ ፋብሪካታት ምጽናዕ። እኹል ዳታ ድሕሪ ምእካብ ድማ ዳግማይ ክበራበራሉ ዝኽእላ መንገዲ ምድህሳስ። ሽቕለት ኣልቦነት ንምጥፋእ ምቅላስ።

ለ) መሰል ኣስራሕቲ፦

መሰል ኣስራሕቲ ምሕላው። ስሉሳዊ ዝምድና ሰራሕተኛታት፣ ኣራሕቲን መንግስቲን እናተኸታተለ ሚዛን ዝሕሉ ኣሃዱ ምቛም። እቲ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ተመስሪቱ ነበረ፣ ኣብ ስርዓት ደርግ ዝተዓጽወ፤ ከም እንደገና’ውን ኣብ ስርዓት ህግደፍ ንስሙ ተመስሪቱ ዝነበረን ደሓር ከም ዘይሰርሕ ዝተገብረን ፈደረሽን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራውያን፤ ኣመሓይሽካ ከም ዝሰርሕ ምግባሩ።
ሐ) መሰል ደቂ ኣንስትዮ፦

1. ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበር ተወዲበን ሓቀኛ መሰለን ዝረኽባሉ መንገዲ ምፍጣር። እቲ ንረብሓ ህግደፍ ክሕሉ ተባሂሉ ዝተመስረተ ሃማደኤ /ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ/ ነቲ ስማዊ ማሕበርን ኣምሰሉታት መራሕቱን ካብ ሱሩ ምሒኻ ኣብ ቦትኡ በተን ሓቀኛታት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ከም ዝጥጥዕ ምግባር።
2. ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ጥራይ ከይተወሰና፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ኢደ-ጥበባዊን ደረጅአን ንከማዕብላ ሰፊሕ ባብ ከም ዝኽፈተለን ምግባር።
3. ኣብ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ባህሊን ማሕበራዊ ሂወትን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምሉእ ናይ ማዕርነት መሰል ምሃብ፣ ንተመሳሳሊ ስራሕ ድማ ማዕረ ደሞዝ ምኽፋል።
4. መሰል ደቀንስትዮ ዝሕሉ ናይ መርዓን ናይ ቤተ ሰብ ምምሕዳርን ሕጊ ምሕጋግ።
5. ንነፍሰ-ጾር ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ምሉእ ደሞዝ እናረኸባ ናይ 2 ወርሒ ናይ ሕርሲን ጥንሲን ዕረፍቲ ናይ ምርካብ መሰለን ምሕላው።
6. ናይ ኣዴታትን ሕጻናትን መሰል ሓሊኻ፣ ናይ ቤት ሓራሳትን መዕበያ ቆልዑትን ናይ ሕጻናት ትምህርቲን ኣገልግሎት ምሃብ።
7. ምንዝርና ካብ ገጽ ኤርትራ ንምጥፋእ ምቅላስ።
8. ደቀንስትዮ ንጥዕንአን ጎዳኢ ናብ ዝኾነ ስራሕ ንከይሰርሓ መሰለን ምሕላው።
9. መራሕቲን ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲን ደቀንስትዮ ዚበዝሓሉን ዝሕይላሉን መደባትን ውጥናትን ምውጻእን ምትግባርን።

ሕቶ ብሄራት ኤርትራ፦

1. መሰል ብሄራት ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ብዘየማትእን ንጹር ብዝኾነ ኣገባብን ምቕማጥ። ነፍስ-ወከፍ ብሄር ምስ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ብምዝማድ ናይ ገዛእ ርእሳ ዲሞክራስያዊ ናይ ምምሕዳር ትካል ንከተቕውም ምፍቅድ።
2. ብሄራት ኤርትራ መንነተን ንምዕቃብን ቋንቋኤን ንምምዕባልን ኣብ ዝገብርኦ ተበግሶ እወታዊ ድጋፍ ምግባር።
3. ብሰንኪ ቄናን ኣተሓሕዛ ህግደፍ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝንጸንሐ ጥርጣረታት ብህጹጽ ምውጋድ። ንጸቢብ ብሄራዊ ትምክሕቲን ልዕልነትን ምቅዋም።
4. ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ናይ ኩላተን ብሄራት ኤርትራ ዝተዛነቐ ውክልና ከም ዝህሉ ምግባር። ብሄራት ኤርትራ ንሓድሕደን ዝላለያሉን ሃገራዊ ክብሪ ዘደንፍዓሉን በብግዚኡን በብተራን ኣብ ኩላተን ኣውራጃታት ሰሚናራትን ፈስቲቫላትን ምውዳብ።
5. ኩላተን ብሄራት ኤርትራ ታሪኸን፣ ቅርሲታተን፣ ጽሑፈንን ቋንቋአንን ንክዕቅባ መሰል ምሃብ።
6. ኩላተን ብሄራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ምስ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ብሄራት ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ምዕባለታትን ናጻን ማዕርነታዊን ብዝኾነ መንገዲ ዝምድናታት ንክምዕብል ክፉት ማዕጾ ምፍጣር።
7. ራሻይዳ ምስ ሰበስልጣናት ህግደፍ ብምሽራኽ ኣብ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዝተጻወቱዎ ኣሉታዊ ግደ ምምርማሩ። ጉዳይ ብሄረ ራሻይዳ በቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቐውም ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዳግመ ግምት ንክግበረሉ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ምቕማጥ።
8. ንጉዳይ ህዝቢ ጀበርቲ ብዝምልከት ድማ እቲ መሰል ብሄራዊ ኣቀዋውማ ንህዝቢ ጀበርቲ ዝምልከት ይኸውን። ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ሓራ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ርክቡ ብዕምቆት ክዘራረበሉን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንክፈትሖ ሙሉእ ሓላፍነት ምሃብ። ጀበርቲ ከም ብሄር ክንፍለጥን ክንቀውምን ኢና እንተኢሎም፣ መሰሎም ምዃኑ ምእማን።

መሰል ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ወጻእተኛታት ምሕላው፤

1. ዝኾነ ወጻእተኛ ብሕግታት ኤርትራ ኣሚኑ ንዝኸይድ ናይ ምንባር ፍቓድ ምሃብ።
2. ምስ ሕጊን ስርዓት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ተሳንዮም ንዝኸዱ ኩላቶም ወጻእተኛታት ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ምሕላው።
3. ምስ ስርዓት ህግደፍ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ወይ ገበን ንዝፈጸሙ ወጻእተኛታት ብሓድሽ ስርዓት ኤርትራ ምቕጻዕ።

ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ናይ ወጻኢ ሜል ምኽታል፣

1. ቅድሚ ኩሉ ብሰንኪ ብዓንዳሪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሃገራት ዓለም ንዝተበለለ ምስሊ ኤርትራ ምምሕያሽ።
2. ጽዑቕ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ዘመተታት ምክያድ።
3. ብሰንኪ ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ ምስ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ የመን ዝንተፈጥረ ምፍሕፋን ኣሉታዊ ጽልዋታትን ንምቕያር ምቅላስ። ብፍላይ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ዝፈጠሮ ጽልኢ ብሕውነታዊ መንገዲ መሰረታዊ ፍታሕ ንክግበረሉ ሓያል ወፍሪ ምግባር።

4. ምስ ኩላተን ሃገራት ጎረባብቲን ዓለምን፦

4.1. ምዉቕ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራት።
4.2. ሓድሕዳዊ ክብርታት ምሕላው
4.3. ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታው
4.4. ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ኣብ ዝብል እምነት ምጽናዕ

መደምደምታ

መሪሕነት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ፣ ብሓድሽ ወለዶ ዝተዓብለለ ከም ዝኸውን ክንጽዕር ኢና። ብዓቢኡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸጋታቱ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ምግሃድ ናጽነት ኤርትራ እጃሞም ዘበርከቱ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ምስ ሓፋሽ ውድባቶምን ዕጡቓቶም ነበርን ዝጥርንፍ ግንባር ኢዩ።
ብሰንኪ ውግእ ሓድ-ሕድ ንዝነበረ በሰላ ኣብ ምሕዋይ ድማ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ኢዩ። ንኤርትራ ምስ ቀይሕ ባሕራን ደሴታታን፣ ንብዙሕ ኤርትራዊ ሕብሪታት ኣብ ሓደ ፍትሒን ሓርነትን ዝሽትት ዕሙር ሃገራዊ ዋርካ ዘሳትፍ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ውህሉል ተመኩሮ ብዝተቐስመ ትምህርቲ ብፍሉይ ኣወዳድባን ሞዴልን ዝምስረት ዘሎ ግንባር ኢዩ።
ናይ ታሪኽ ግርንቢጥ ኮይኑ፣ ስለ ናጽነት‘ዛ ሓላል መሬትን ወረጃ ህዝባን ንፍርቂ ዕድመና ተጋዲልና ክነስና፤ እነና ሕጂ‘ውን ኣብ ግንባር ዓደቦ ዓሪድና ኣለና ኢልና ናብ ዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ክሳብ ብሂወት ክንውፈ ተዳሊና ንርከብ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን፣ ስለ‘ቲ ዘይክማህ ባህጊ ሓርነትን ዲሞክራሲን ኤርትራውያን፣ ስለ ፍትሒን ቅዋማዊ መንግስቲን፤ ብሕጊ ዓደቦ ዝዳነ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት ደው ኢልና ንርከብ። ናብቲ ክንበጽሖ ዝወጠንናዮ ብቀስተ-ደመና ተስፋ ዝተጋረደ ደረት-ትርኢት ንምብጻሕ፣ ብቅዱስ ትልሚ ብጋህዲን ብኣዋጅን ኣሃዱ ንብል ኣሎና።
ዘይዕጸፍ ቅልጽምናን ዘይክማህ ብድሆናን ኣንጻር‘ቲ ኣንጊሁ ራእይ “ትግራይ ትግርኚ‘‘ ሓሊሙ ዝወፈረ፣ ኣብ ክንዲ ዩኒቨርሲቲ መሃንድሳት ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሰልጥን ትካላት ንምህናጽ፣ ዓሌትናን መሬት ዓደቦናን ንምጥፋእ፣ ብሄራትና ንምንቛት፣ ክቡር ሃይማኖትና ንምምርሳሕ፣ ድሙቕ ኤርትራዊ መንነትና ንምርኳን፣ ዘዝተወልዱ ሕጻናትና ንምዝኽታም፣ መንእሰያትና ንምህላቕን ንብዓት ኣዴታት ንምውሓዝን፤ ከምኡ‘ውን ንደምበ ተቓውሞ ንምብትታንን ድግድጊት ዝዓጠቐ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቕንዐ ኢዩ።
ግንባር ሓለምቲ ንምድምሳስ‘ምበኣር ንሕና ደለይቲ ሓርነት፤ እቲ ኣብ ማእከል ኤርትራ “ኣለና“ ብዝብል መጸውዒ ኮድ ካብ ዓመተ-2003 ብምስጢር ዝጀመርናዮ ቃልሲ ኣንጻር ቀንጻሊ ስርዓት ህግደፍ፤ ሎሚ ብምሉእ ርእሰ-እምነት ናብ ምምስራት ግንባር ዓደቦ ንብገስ ኣሎና። እዚ ምትእኽኻብ ደምበ ኣለና‘ዚ ብገዳይም ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኣብ ገበላ ኤርትራ ብምስጢር ዝተወልዐ ሆየ-ሆየ ኣባ‘ብርሃም ዓጓ! ሆየ-ሆየ! ሽግ ሓርነት ኢዩ። ደምበ ኣለና ምስቶም ሓርነቶም ብህግደፍ ዝተጨውየ ደለይቲ ሓርነት ዓደቦ፣ ከም ከርፈስን ጓል ከርፈስን ተኣሳሲሩ ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ሽግ ሓርነት ኢዩ።
ደምበ ኣለና ብኣዝዩ ጸቢብ መንቀራቕሮ፣ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ ብድርብ ኪዳን ክቃለስ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኢዩ። ብዛዕባ’ቲ ብዘይሕለል ኒሕን ስኒ ምንካስን ኣንጻር ቦኽባኹ ስርዓት ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ እጹብ ድንቂ ዝዀነ ኩለንትናዊ ቃልሲ፣ ምስክርና ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ዲሞክራሲ፣ ወትሩ ሕልሚ ኤርትራውያን!

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝበሃጎ ስርዓት ንምርካብ ኣይደቀሰን። ዲሞክራሲ፣ እዚ ካብ ጥንታዊ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ቃል’ዚ ብቋንቋ ትግርኛ ካልእ ኣበሃህላ እንተዘይተዋሂቡዎ፤ ቃል ንቓሉ ህዝባዊ መንግስቲ ማለት ኢዩ። ዲሞክራሲ ካብ ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ወረዳዊ፣ ዓዳዊ ኣረዳድኣ ዝተፈልየ መንግስታዊ ኣገባብ ምምሕዳር ማለት ኢዩ።
ዲሞክራሲ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕብረተ ሰባዊ ልምድታትን እምነታትን ናጻ ኮይኑ ብዘይ ኣድልዎን ፍልልይን ናይ ሃይማኖት፣ ብሄርን ዓሌትን ዘመሓድር ክብ ዝበለ ስያሜን ማዕረግ ዜጋታትን ዘማእከለ ኢዩ። ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ምስ ምቛም ሃገራት ብዝያዳ ኣድላይነቱ እናዓበየ መጸ።
ሃገርና ኤርትራ ብ1890 ዓ.ም.ፈ. ሃገር ተባሂላ ካብ እትጽዋዕ ንደሓር ጀጋኑ ኣቦታት ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራትን ተቓሊሶም ኢዮም። ብድሕሪ ግዜ ሓምሳታትን ስሳታትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ብዕጥቂ ብረት ተጋዲሉን ተዓዊቱን ኢዩ። እንተኾነ እቲ ሓርበኛታት ኣቦታት ዝፈለምዎን ልዕሊ 65 ሽሕ ሂወት ዝተኸፍሎን ናጽነት ኤርትራ ብሓደ ኣድብዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ ጭፍራ ተጨውየ።
እምበኣርከስ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብህግደፍ ዝተጨውየ ዲሞክራስያዊ መሰልን ምሕደራን ንምምላስ ናብ ቃልሲ ተበጊሱ ኣሎ። እዚ ዕዮ‘ዚ መእሰሪ ከም ዘይብሉ ማእዶ መታን ከይከውን‘ምበኣር እነሆ ሎሚ ሰዓቱ ኣኺሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመንእሰይ ወለዶ ቀላሲ ዓንዲ ማእከል ቃቤላ ገይሩ፤ ብጽኑዕ ማሕላ፣ ብክቡር ደምና ኣብ ፋይል ልቢ ኤርትራውያን ዝተጻሕፈ ሕብረ-ብሄራዊ “ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ“ ይምስርት ኣሎ።

ዓወት ንግንባር ዓደቦ!
ብርግጽ ክንዕወት ኢና!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ካስል-ጀርመን
ጥቅምቲ – 2012

3. ኣዋጅ ምስረታ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ 
 እቲ ብደምበ ኣለና ኣብ ማእከል መሬት ዓደቦናን ብደገን፣ ኣብ ብልሒ መላጸ ረጊጹን ብዓይኒ መርፍእ ሓሊፉን ስርዓት ህግደፍ ንምህማኹ ‘ሆይ ሽምሪ፣ ተኾመሪ…ማዕጺድ ስበሪ’ እናተባህለ ክካየድ ዝጸንሐ  ዘብ-ዘብ ንሓርነት፣ ዕለት 07 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ዓውዲ ካስል-ጀርመን ቀዳማይ ምህርቱ ዓጺዱ ኣሎ። ወርሒ ብዘይ ዘማቲ፣ ቆልዓ ብዘይ ሰበይቲ፣ እኽሊ ብዘይ ክረምቲ!! ከም ዝበሃል፤ ከይዘራእካ፣ ከይጻህየኻን ከይኮስኮስካን ዝሽውት ግራት ገደና የለን’ሞ ኩላተን ተቓወምቲ ውድባት፤ ፖለቲካዊ ውድድር ንስልጣን ኣወንዚፈን፣ ናብ ዘርኢን ምህርቲን ንሓርነት ክጓየያ በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና ነቕርብ።

     ‘ዝዘራእካዮ ዕጸድ’ ሰናይ ምርቓ ኢዩ’ሞ ዑፈይ’የ ስመርለይ! እቲ ንክልተ ዓመታት መመላእታ ብንእሽቶ ዓቕምና ዝዘራእናዮ ፖለቲካዊ ወፍሪ ናብ ህዝባዊ ዳንዳ ኮሚርናዮ ኣሎና። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ካስል፣ ወኪል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ወኪል ማሕበር መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፣ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወኪል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፣ ወከልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ወከልቲ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፣ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ሞያውያን ዶክተራትን ወ.ዘ.ተ…ተረኺቦም ነይሮም።

     ግንባር ዓደቦ፤ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ካስል 19 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ምስ ሕዙእ መናብር፣ 11 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፣ ካብኣቶም ኣቶ ረድኢ መሓሪን /ኣለና/ ኣቶ ኣሮን ገረሱስን ዝርከብዎም ሓደ ኣቦ መንበርን ሓደ ምክትል ኣቦ መንበርን፤ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ኣሎ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ሰራውረን ናብ ሙሉእ ዓለም ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ፋሕ ዘብላ ትሽዓተ ወሰንቲ ሽማግለታት መምስ መራሕተንን ምክትላተንን ቆይመን ኣለዋ። መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካስል፣ ካብ ፖለቲካዊ ወፍሪ ናብ ስራሕ፣ ካብ ዘረባን ወረን ናብ ግብሪ ዘሰጋግር ታንኳ ኢዩ። እቲ ቀጺሉ ንክስራሕ እንጽበዮ ዘለና ታንኳ ከኣ፣ ምስ ህዝብና ዘራኽብ፤ መዓልቱ ይቕረብ ይንዋሕ ብዘየገድስ ናብ ዓቢ ድልድል ከም ዝቕየር ኣይንጠራጠርን ኢና።

      ህዝቢ ኤርትራ! ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ሚለንየም፤ ኣብ ህንጻ ዓደቦኻ ዋና ዳስ ንክትከውን፣ ባዕልኻ ንባዕልኻ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም ለምሲ ፖልዮ ዝደነሰካ ሕማም ፍርሒ ተገላገል። እቲ ህድግ-ለነ ዘይብሉ ሕማም ፍርሒ ብዘይካ ካብ ገዛእ ሕልናኻ ፈውሲ ምድላይ፣ ኣብ ከብሒ እንዳ ፋርማቻ ዝድርደር ናይ ፍርሒ ከኒና የለን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣላሽ ኣቢሉካ ዝጸንሐ ተላጋቢ ሕማም ፍርሒ ሎሚ ስለ ድሕነት ዓደቦኻ ካብ ከብድኻ ያዕ በሎ። እቶም ህዝቢናን መሬት ዓደቦናን ንምጉያሕ ክርዳድ ዝዘርኡ ኢሳይያሳውያን ክርዳድ ክዓጽዱ ኢዮም። ንሕና’ዞም ስለ ግምጃ ክብሪ መሬት ዓደቦና ዝኾነ ዋጋ ንምኽፋል ተዳሊና ዘለና ከኣ ዚዘራእናዮ ስርናይ ዓጺድና ኣሎና።

      ዮሃና ንዓኻ ኣንታ ከም ጥጥቖ ሓራሳት ኣብ ቁራዕ ህግደፍ ብዘይ መስተንፈሲ ተጸሚድካ ዘሎኻ ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን! ዮሃና ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትርውያን! ከምኡ’ውን ንኩሎም ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ! ንህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ። እነሆ እቲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዓቐበት ሓርነት ንምድያብ ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ ተበጊሱ ዘሎ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ፣ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ከተማ ካስል-ጀርመን ብወግዒ ተመስሪቱ ኣሎ። እዚ  ኣዋጅ’ዚ ደምዳሚ ኣዋጅ ምስረታ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኢዩ።

                    ጅግና ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል!

                       እዚ ኩሉ ዓንገረር ንዓኻ’ዩ!!

      ኣብዚ ደምዳሚ ኣዋጅ ምስረታ ግንባር ዓደቦ፣ ኣብ ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ ኤርትርውያን ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ተኸፊቱ ኣሎ። ስምረት ክልት ኣሓት ምስቅስቓሳት  ብወግዒ ይእወጅ ኣሎ። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራን ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ፍትሒን ኤርትራን /EMDJ/ ካብ ዕለት 07 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንደሓር ብሓደ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ክልቲኡ ውድባት ብሓደ ስም ክጽዋዕ፣ ብሓደ መሪሕነት ክምእከልን ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ጨቢጡ ክሳብ ግብኣተ-መሬት ስርዓት ህግደፍ ብሓያል መኸተ ክቃለስን ይእውጅ ኣሎ።

      ብድሕሪ ነዊሕ ጥንሲ፣ ካብ ስዉር ጽላሎት ህግደፍ ናጻ ዝኾነ ኤርትራዊ ግንባር ዓደቦ ኣብ መዓልቱ ተወሊዱ ኣሎ። ምስጋና ይብጽሓዮም እቶም ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣንጻር ጨካን ምሕደራ ኢሳይይስን ስርዓቱን ክቃለሱ ዝጸንሑና ደለይቲ ሓርነት ደቂ ኤርትራ ብሓበራ። ንሳቶም እዞም ሰውራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ንዳስ ደምበ ተቓውሞ እንተዘይምስርትዎ ነይሮም፣ ንሳቶምን ንሳተንን እዞም ሰብ ዓቢ ሃገራዊ ዋኒን እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ ኢሎም መቃለሲ ደጎል ከተማ ካስል እንተዘየቑሙልናስ ሎሚ ግንባር ዓደቦ ኣበየናይ ሕልፊኚ ምተወልደ ነይሩ? እወ! ንሳቶምን ንሳተንን፣ ደረጃ ብደረጃ እናተጓዕዙ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እንተዘይሰርሑ ነይሮምሲ እነጽልለሉ ገዛ’ውን ኣይምረኸብናን።         

      ከስዐ ኣደ ጉራ-ጉራ ኮይኑ ግን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ገለ ብዓቢ ኒሕን ንያትን ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩን ዘለዉን፣ ገለ ውሑዳት ሰባት ግን ተሰኪሞሞ ዝተበገሱ ለቖታ ጥሕኒ ወዲኦም ኣብ መንገዲ ዝተሓለሉን፤ ግብሪ ኣብቂዖም መልሓስ ጥራይ ዝተረፈቶም ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ከምቲ “ንኣፈን ዘይረኸባ መቖርጠምያ፣ ንርእሰን ይደልያ መጠምጠምያ” ዝተባህለ፣ ሃገር ኣብ ውቅያኖስ ሞተርኣ ከም ዝተሰብራ መርከብ ህዝቢ ጽዒና እናጠሓለት እንከላ፣ እቶም ነቲ ብሞራልን ስኒ ምንካስን ንዝብጻሕ ዓቐበት ሓርነት ከም “ደብር ኢትሰመ” ርእዮም ንምድያቡ ዝተሓለሉ ድኹማት ሰብ መልሓስ፣ ኣብ ሓያሎይ ሃገራት ኤውሮጳ ብዙሕ ‘ዝዓይነቱ ንፋሳት ከወናጭፉ ቀንዮም ኢዮም።

      ብጋህዲ ክንዛረብ ኢና! ድሕሪ ደጊም ነቲ ኣብ ውሻጠ እንዳ ስዋ ዚዝረብ ድኹም ሕሜታ ሕብእብእ ምባል ይኣክል! ቁስልና ከየሕወና ናይ ካልኦት ቁስሊ ከነሕዊ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ‘ንወደን ከይሓምያስ ንሰበይቲ ወደን’ ዝበሃል፤ ሓያሎይ ሰባት ቅድም ንድኻሞም ኣብ ክንዲ ዝፍውሱ፣ እዛ ሃገር’ዚኣ ከምዚ ጌራትና፣ እታ ሓንቲ ሃገር’ውን ከምዚ ደጊማትና እናበሉ ኣቑሳሎም ካብ ምፍዋስ ክህውትቱ ይነብሩ።

      ብሰንኪ ዝንግሪር መንገዲ እዞም ድኹማት ሰባት፣ መንእሰያትና ናብ ተቓወምቲ ውድባት ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኦም ኢዮም። እዞም ተረከብቲ መሬት ዓደቦ ዝኾኑ መንእሰያት ሃገርና ኣንፈቶም ስሒቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ባይታ ጋም-ማን ክብሉ ጸኒሖም ኢዮም’ሞ ሎሚስ ምኣኸለ። እቲ ሕሜታ ድኹማን ከምዚ ይመስል፦ እህምምም!!

      1) ምምስራት እዚ ግንባር’ዚ ምጭጫሕ /ምብዛሕ/ ውድባት ኢዩ።

      2) ምውላድ እዚ ግንባር’ዚ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢዩ።

      3) ምቛም ግንባር ዓደቦ  ምትእኽኻብ ደቂ ሓማሴን ኢዩ።

      4) ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካስል፣ ኣኼባ ኮሎኔላት ህዝባዊ ግንባር ኢዩ።

      5) ሎሚ ምምስራት ውድብ ማለት ምውድዳር ንፖለቲካዊ ስልጣን ማለት ኢዩ ወ.ዘ.ተ… ግን እዚ ኩሉ ብሂላት ብሱሩ ሓቂ ኣይኮነን።

     እዚ ግንባር’ዚ ነቲ ኣብ መሬት ኤርትራ፣ ዓደቦ ዘለዎ ዜጋ ክፉት ኢዩ። ንኩሉ ኤርትራዊ፣ ወዲ ኣየናይ ሃይማኖት’ዩ፣ ወዲ ኣየነይተን ኣውራጃ’ዩ፣ ኣበየናይ ውድብ’ከ ነበረ ብዘየገድስ፣ ብሓፈሻ ንኩሉ ዜጋ ብፍላይ ግን ንመንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝዕድም ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ። ዝወዓለ ይንገርካ፣ እቶም ዝወዓሉ ባዕላቶም ይመስክርዎ። ስለዚ ኩሉ ዝነበረ ዘረባታት ምንጩ ብዘየገድስ፣ ከምቲ ‘ሓንካስ ዘውረዮ፣ ፈረሰኛ ነይመልሶ’ ዝበሃል ብሂል፣ ዘረባ ስለዝኾነስ ንማዕበል ከም ዕምብረ ሰጊሩ እንተኸደ ዘምጽኦ ምቅይያር የለን።

      ግንባር ዓደቦ ኣብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣንጻር ምልኪ፤ ሕሳስ-ልደ ግንባር ንክኸውን ምንዮትና ኢዩ። እዚ ግንባር’ዚ ብኩሉ ሸነኻቱ ኤርትራዊ ጨና ዝሽትት ግንባር ዓደቦ ኢዩ። ባህጊ መስረትቲ ግንባር ዓደቦ፣ እንትርፎ ካብ ነፍስ-ወከፍ ትርብዒት ሜተር ቅርዓት ኤርትራ ዝጓዝም ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትን፤ ኣውያት ደግሲ ሞት መንእሰያት ኣብ ሲናይን እዝንና ዝጸናጸኖ ካልእ ዋጣ የለን። ኣብዚ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ገዛእ መሬት ዓደቡኡ ከም ሓሰር-ንፋይ ዝጎሓፈሉ ዘሎ ናይ እንክሒራ እዋን ከኣ፣ ብዘይካ ሰማይ ዝደረቱ ባህጊ ፍትሒ፤ ባህጊ ሓርነትን ቅዋማዊ መንግስቲን ፍሉይ ረብሓን ጥሙሕን ኣይሕልምናን ኢዩ። እነሆ‘ምበኣር ምስረታ ሕብረ-ብሄራዊ ግንባር፣ ህንጻ ህዝቢ ኤርትራ ንምጅማር እምነ-ኩርናዕ መሰረቱ፤ ኣብ ዘይንደል ከውሒ ዓረ ተመስሪቱ ኣሎ።

      ግንባር ዓደቦና ብውሽጢን ብደገን ብዝተወሃሃደ ሓጺናዊ ሰንሰለት ዝተኣሳሰረ፣ ብደም’ቶም ካብ 1961 ክሳብ 1991  ዝወደቑ ስዉኣት ደቂ ኤርትራ ዝፍርም  ግንባር ኢዩ። ቅርቅርቲ ጎልያድ ኣብ ምፍላጽ ዓቕሙ ዘበርክት ግንባር ተወሊዱ ኣሎ‘ሞ ዮሃና ንደለይቲ ሓርነት ደቂ ኤርትራ። ምውላድ እዚ ግንባር‘ዚ ዘበስሮ ነገር እንተሎ ድማ፤ ‘ውጽኣ መባልዕቲ እተዋ መናብዕቲ‘ ከም ዝበሃል፤ ዳግማይ ትንሳኤ ሃገርናን ህዝብናን ይቀራረብ ከም ዘሎ ዘበስር ልደት ኢዩ።

      ሓቂ ንምዝራብ፣ እዚ ግንባር‘ዚ ካብቲ ከም ሓቛፊት ደርሆ ኣብ ሓደ ዓውዲ ሕቒቕ ዝብል ዝነበረ ቃልሲ፣ ከምኡ‘ውን ካብቲ ብሰንኪ ውድድርን ሽርሒ ህግደፍን ኣብ ውሽጢ ውድባት ንነዊሕ ዓመታት ትልኽ ክብል ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጉዕዞ  ደምበ ተቓውሞ ተማሂሩ፣  ንመንእሰያት ሓቚፉ ብሓድሽ መንኮርኮር ዝብገስ ዘሎ ግንባር ኢዩ። እዚ ውድብ‘ዚ፣ ከም ሰቲ-ሰምሃር ልሙዕ ሸኻ ሃገራዊ ሽታ ዝሽትት፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ዝጥርንፍ ሰፊሕ  ግንባር ዓደቦ ኢዩ።

       ግንባር ዓደቦና፣ ኣብ ማእከል ኤርትራ ብጎነጻዊ መንገዲ፤ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከኣ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅላስ ዝኣምን ግንባር ኢዩ። ምስ ኩላተን ግብራውያን ተቓወምቲ ግንባራት፣ ውድባት፣ ሰልፊታት፣ ምንቅስቓስ መንእሰያትን  በርገሳውያን ማሕበራት ኤርትራውያንን፤ ከምኡ‘ውን ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ደገፍትና ሃገራትን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ ክሰርሕ ኢዩ። ‘ሓጺር ሰብኣይሲ ኣቱም ከይተባህለ ይኣርግ’ ከም ዝበሃል፤ ነተን ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ስዓት ህግደፍ ዝቃለሳ ዝነበራን ዘለዋን ውድባት፣ ሞያአን ብኡ ገይሩ ከይኣርግ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ኩላተን ንክሰማማዓሉ እንምነዮ ናይ ስምረት እማመ /Proposal/ ከነቕርብ ኢና’ሞ ብተስፋ ንጸባበ።

      እምበኣርከስ ደምበ ኣለና ንብዱዕ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሰባብ ሰልፉ ህግደፍን ብግብራዊ ስራሕ ኣላሽ ንምባልን ናብ ጎዱፍ ስካሪኮ ንምድርባይን ተዳሊና ኣሎና። ናብኡ ንምስጓም ድማ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ክጥቀም ኢዩ። ናብቲ ዝተመነናዮ፣  ፍጹም ደርማስ ዓወት ንምጭባጥ ዘይነቓነቕ መልሕቕ ኣብ ማእከል ዓደቦና ኤርትራ ተኺሉ ከምዘሎ  ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን የበስር እነሆ!!

                   ጅግና ህዝቢን ሰራዊት ምክልኻልን!

     ኣብዛ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ህግደፍ ፋብራካታታ ናብ ሮታመ ዝተቐየረ ኤርትራ፣ ሰራሕተኛታት ካብ ዝጠፍኡ እነሆ ዕስራን ሓደን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ዝተወደቡ ሸቃሎ፣ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን፣ ነጋዶን ሃገራውያን ማሕበራትን ዘይብላ፣ ንናጻ ፕረስን ቅዋምን ብዝመሓለ ኢሳይያስ ኢያ ትምራሕ ዘላ። ዘዝነውሐ ውሉዳ ናብ ሓመድ ሳዋ ንከንገርግር ዝተፈርደት ዓደቦና፣ ሎሚ ኣብ ሓደ ግንባር ሰሚርና ንመክት። እዋኑ እዋን ክተት ኢዩ። ሎሚ ኩሉ ዜጋ፣ ዓደቦና ንምድሓን በዓል ዳንጋ ብሂወቱ፣ በዓል ገንዘብ ከኣ ብንዋቱ ይኽተት!

     እነሆ እዚ ብመቑሕን ቅንጸላን ጥራይ ዝልለ፣ ንሙሉእ መዋእሉ ደም ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ዝመጸ  ኣዕናዊን  ዘይሰብኣዊን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ናብ ኣፈፌት ሞት በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ንእሽቶ ምድፋእ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒን ተኣፋፊን ህሞት፣ ብሓደ ድምጺ ይኣክል ኢልካ ተበገስ። ትማሊ ኣብ በረኻታት ዓደቦና ስለ ናጽነትን ሓርነትን ከም ከርፈስን ማሕረሻን ብጽኑዕ ኪዳን ስለ ህዝቢን ሃገርን ተመሓሒልካ ተኣምር ዝሰራሕካ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሕጂ ተበግሶኻ ጨብጥ’ሞ ክተት።

   ህጹጽ ጻውዒትና ኣባላት ግንባር ዓደቦ ንዓኻትኩም!

 ንጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

     ክቡር ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ካን’ዶ ብዘይ መራግእቲ ኣብቂዕካ ኢኻ? ኣብ መደቀሲኻ ኮንካ እስከ ንሓንቲ ደቒቕ ምስ ሕልናኻ ተማታእ! ስለ’ዚ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንቤት ፍርዲ ልብኻ ኳሕኩሓዮ’ሞ ደጋጊምካ ሕሰብ! ኣበይ ኣለዉ ሰብ ኪዳንካ? ስለምንታይ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ! ወዲ ኤፍሬም! እታ ገመድ መዓልታ ስለዘይኣኸለ’ምበር ናባኻ’ውን ክትዝርጋሕ ኢያ’ሞ ሸለው ከየበለትካ ደጋጊምካ ሕሰብ ደኣ! ክቡር ስብሓት፣ ዝመጸካ ዘሎ ነገር ኣይትስሓት! ንብለካ ኣለና።

                ህጹጽ ጻውዒትና! ናብ ክቡራት ሜጀር ጀነራላት:

        ብሪጋደር ጀነራላትን ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን!                          

                ናብ ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን! 

      ስለምንታይ ኤርትራ ሃገርና ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ 21 ልደታ ከይዓምበበት ሓሪራ? እዚ ኩሉ ምድንጋርን ገበታ ሓሶትን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናበይ ንምብጻሕ’ኮን ይኸውን ኢልካ ተመራመር። ስለምንታይ ጥሜትን ማእሰርቲን? ሎሚስ ኲናት ባድመ መን ከም ዝጀመሮ በሪሁልካ ይኸውን’ዩ! እስከ ኣብተን ወሰንቲ ግጥማት ውግእ ባድመ ክሳብ ምዝላቕ፣ ውግእ ዓሊቴና ክሳብ ዛላንበሳ፣ እቲ መሪር ኲናት ዓሰብ  ወ.ዘ.ተ… ይዝከረካ’ዶ?

     ኣብ 2000 ዓ.ም.  ዝነበረ ተዘክሮኻ’ስከ ኣሐድሶ! ስለምንታይ መቕዘፍቲ ወግሐ-ጸብሐ? ሽዑ “ወያነ ንልኡኻትና ስለዝረሸነት ኢና ኲናት ከፊትና” ዝበሎ ኢሳይያስ፣ እቶም ተረሺኖም ዝተባህሉ ደኣ ኣስማትን ዓዲን የብሎምን ዲዮም? ኣብ ኲናት ሓኒሽ ዝተሰውኡ ብወግዒ ናብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ክቕበሩ እንከለዉ፤ ኣብ ባድመ ዝተቐትሉ ደኣ ስለምንታይ ደሃዮም ሃጠመ? ካብቶም ሞይቶም ዝተባህሉ’ኸ ገለ ሓደ ሰብ’ዶ ኣይፍለጥን ኢዩ? ህዝብኻ ይጥፍእ ኣሎ’ሞ ብዝሓልፍ መግቢ፣ መስተን ገዛን ንዘይሓልፍ መሬት ዓደቦ ከይተጥፍእ ሓደራኻ!

     ንሕና ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ንኩሉኹም መኮንናት ሓይልታት ምክልኻል፣ ምሉእ ውሕስነት ክንህበኩም ድሉዋት ኢና። ጥራይ ነቲ ንህዝብና ዝበታትን ንመሬት ዓደቦና ድማ ዘባድም ዘሎ ገበነኛ ኢሳይያስን፤ ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ላዕለዎት መሪሕነት ህግደፍን መልዕስዎም’ምበር እዚ ግንባር’ዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንሂወትኩምን ሂወት ስድራ-ቤትኩምን ሙሉእ ውሕስነት ከም ዝገብረልኩም ቃል ይኣቱ።

                         ጻውዒትና!

             ናብ  ክቡራት ሜጀራት፣ ካፕተይናት፣ ወ.ዘ.ተ.

     ገበነኛ ኢሳይያስ ብዝኽተሎ ዝነበረ ሰላሕታዊ ኣከያይዳ “ኣባ ጎብየ” ዝብል ሳጓ ተጠሚቑ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። ናብቲ ዝወጠኖ ናይ ርሑቕ ከንቱ ሕልሚታቱ ንምብጻሕ ካባኻትኩም ካብ መኮንናት ሓይልታት ምክልኻል መመሊሱ ሰባት ይኣስር ከም ዘሎ ተገንዚብኩሞ ኣለኹም። ኣብ ሓለዋ ነብሱ፣ መንበሪኡን ቤት ጽሕፈቱን ብዝምልከት’ውን ንደቀባት እናኣደስከለ ብዝሰማምዕዎ ጎቦ-ጨረታት፣ ይትክኣኩም ኣሎ። ክሳብ መዓስ ትምምምም! ገና ዝቕረሙ ሰባት ከም ዘለዉዎ ኣይትዘንግዑ።

     ብድሕሪ ቅንጸላ ናይ 73-76፣ ነቶም ዕላምኡ ንምትግባር ክጽግሙኒ ኢዮም ኢሉ ዝገመቶም ገዳይም መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብስም ጉጅለ 15 ናብ ዒራዒሮ ዳጒኑ ኣሕቀቖም። ብድሕሪ ሸሪፎን ድሩዕን፣ ብድሕሪ ጴጥሮስን ዑቕበን፤ ኣሰር ብርሃነን ጀርማኖን መተካእታ በራኺን ኣቡ-ዓረን፣ ሰፈር ኣስቴርን ሚርያምን ወ.ዘ.ተ… ንስኻትኩም ኣንቱም ሎሚ ቅልዋን ዝሕላን ትበልዑ ዘለኹም! በብሓደ ናብታ ሰባብ መሽጎራጉር “እንዳቦይ ተዓገስ” ከይኣተኹም ሎሚ ሕሰቡ!

               ህጹጽ ጻውዒት ኣባላት ግንባር ዓደቦ ንዓኻትኩም!

      ንታሕተዎት ሓለፍቲን ተራ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ብሓበራ!!!

      ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ደም ይነብዕ ኣሎ። ኣቦን ኣደን፤ ሓውቲን ሓውን ለይቲን መዓልቲን ዓደቦኹም ንምድሓን ይጽበየኩም ኣሎ። ኣዒንቱ ንከይርኢ ተሸፊኑ፣ እዝኑ ንከይሰምዕ ተለኲቱ’ምበር ኣይተታኸሰን ኣይደቀሰን’ውን። ሎሚ ደቁ፣ ጥሪቱን ንብረቱን ዝበተኸ  ህዝቢ ኤርትራ ንዓኹም ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ’ሞ፣ ብሓደ ድምጺ ኣለና ኢልኩም ደበሳ ኢዮብ ደብስዎ።

      እንኮላይ እቶም ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ /የማነ ቻርሊ፣ ኮሎኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰ/ ጥራይ ዝሰርሑ ኣባላት ካቢነ፣ ኣብ ኣኼባታት  ሚኒስተራት ብዘይካ ከም ሮቦት ምቕብሕባሕ፣ እንኮ ሃናጺ ሓሳብ  ንከቕርቡ መሰል ዝተነፍጎም ብስም ሚኒስተራትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ዝጽውዑ ኣገልገልቲ ኢሳይያስ፣ ትጽቢቶም ካባኻ ካብ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጥራይ ኮይኑ ኣሎ’ሞ ኣለኹ…ኣለና ኢልካ ሎሚ ስኒ ንኸስ።

      ንከይትዛረብ ምትእምማን ጠፊኡ፣ ንከይትንቀሳቐስ ሽርሒታት ህግደፍ ዝጋረደካ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!  ብስም ዋርሳይ ይከእሎ ዝብል ሽሕጣን ን18 ዓመታት ብባዶ መብጽዓታት ኣብ ጥራይ ከብድኻን ዕሩቕ ዝባንካን ዝተዘባዘብካ ኣገልግሎት ወዲ ህዝቢ! ነዚ ሓፋሽ ህዝብኻ ረኺቡዎ ዘሎ መሰክሕ ጭካነ፣ ብወረ ዘይኮንካስ ብኣካል ዘለኻዮን ብዓይኒ  ትርእዮ ዘለኻን ስለዝኾንካ፤ ገለ ሕሰብ’ሞ ይኣክል በል።

      መሬት ዓደቦኻ ንምምላስ፣ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ነታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተሰከምካያን መንኩብካ ዘረብረበትን ጠበንጃ ህግደፍ ናብ ፋሉላዊን ሃላሊን መራሒ ጥፍኣት ኢሳይያስ ኣቕንዓያ። ዕላምኡ ህዝቢ ኤርትራ ንምትህንዃት’ዩ! እነሆ ንደቂ 60-70 ዓመታትን ንባሪስታታትን ብረት ኣብ ዘዕትቐሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ግዜ፣ ኩሉ ሻምብቆ ብረታትካ፣ ሻምብቆ ታንክታትካን መዳፍዕካን  ኣቕኒዕካ ነቲ ዝስጎድ ሰጉድ። ሕጂ ብተኽ ወዲ ኤርትራ!!

      እነና ብስራት ሓድነት ሒዝና ካብ ጉባኤ ካስል ወጺእና ኣሎና። ምስቶም ብረት ዝዓጠቑ ጀጋኑ መንእሰያት ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ /EMDJ/ ብሓደ ክንሰርሕን ክንሰምርን ወሲንና ኣሎና። ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ምንቅስቓሳት ሓቢርና ንምስራሕ’ውን ደጋጊምና ገሊጽናዮ ኢና። ስለዚ ተተሓሒዝና ንኺድ! ነቲ ሃገር ዘባደመ ጨካን ኣረሜን፣ ናብ ህዝባዊ መጋርያ ንምጥባሱ ትዕደም ኣለኻ’ሞ፤ ስለ ዘለኣለማዊ ድሕነት ህዝቢን መሬት ዓደቦኻን ዳግማይ ስንክሳር ንክትሰርሕ ኣለኹ…ኣለና! በል።

        ! ብሓለንጊ ስቓይ የማነታት ትግረፍ ዝነበርካን ዘለኻን ወዲ ህዝቢ!

    ንጥሜት፣ ንማእሰርቲ፣ ንስደትን ሞትን ከም ዕጫ ጽሕፍቶኻ ዝወሰድካዮ ጅግና! 

      ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ብወግዒ ቆይሙ ኣሎ። ብጭካኔ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ  ኣብ ትሕቲ ከቢድ መስገደል ዝነበርካን ዘለኻን ተባዕ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ እነሆ ‘በብሓደ ሰብ ወሓደ’ ከም ዝበሃል እታ ዝተወለድካላ፣ ዕትብትኻ ዝተቐብረላን ዝዓበኻላን ዓደቦኻን ዓዲ ኣባሓጎታትካን ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣብ ቅድሜኻ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ክትሽመም ጸኒሓ ኢያ። ኤርትራውያን ናይ ምጥፋእን ምብታኽን ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ዕሉል ናይ ጥፍኣት ሓዋርያ ኢሳይያስ፣ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ምቕንጻል ተጋዳላይ ኣብራሃም ተወልደ ክሳብ ምእሳር ገዳይም መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ጉዕዞ ይጓዓዝ ከም ዝነበረ ካባኻ ካብ ጅግና ኤርትራዊ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

      ሜላ  ምጽናት ዓሌት ንኤርትራውያን ኣብ ስኑ ነኺሱ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ብክቱር ጽልኢ ክኸይድ ምስ ጸንሐ ገበነኛ፣ እነሆ ከኣ ሎሚ ነቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ዝሎጎሞ ናይ ጥፍኣትና ምንሽር ብዝለዓለ ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ቀጭ-ሕርሙ ለጒሙ ይቕጽሎ ኣሎ። ብከቢድ ግርጭት ዝዘቕበበ መንግስቲ ህግደፍ፣ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ በብግዚኡ ክገብሮ ዝጸንሐ ብስለያዊ ጥበብ ዝተባዕጠ ሜላ “ፈላሊኻ ግዛእ” ብኣውራጃ…ሃይማኖት…ብሄር  ወ.ዘ.ተ…መታን ከይትውደብን ተቓውሞኻ ከይሰምር’ሞ እታ ንዓኻን ንስድራ-ቤትካን ንምጽናት ዝሎጎማ ጠበንጃ ናብኡ ንከይትቐንዕ፣ ብምሉእ ሓይሉ ክሰርሕ ጸኒሑ ኢዩ።

     ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ፣ እነሆ ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ካባኻ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ንመዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህዝቢ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ግዜ ህድማ ንስደት ክንደይ ኣባጽሕን ሕጻናትን ብትእዛዝ ህግደፍ ይቕዘፉ ከም ዘለዉን ክንደይ መንእሰያት ከኣ ተታሒዞም ብመቑሕ ተኣሲሮም ወግሐ-ጸብሐ ይግረፉ ከም ዘለዉን ባዕልኻ ናይ ዓይኒ ምስክር ኢኻ’ሞ ኣለኹ…ኣለና ኢልካ ይኣክል በል።

      ኦ! ኣብ ትሕቲ መቑሕ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ንዓመታት ትሳቐን፣ ኣዒንትኻ ወትሩ ናብ ተስፋ ዘማዕድዋን ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ እነሆ ሎሚ ህዝብኻ እታ ዓጢቕካያ ዘለኻ ብረት ናብቲ ንጥፍኣትካ ዝኣልም ዘሎ ጨካን መራሒ  ንከተቕንዓ ኣካልካ ብዓቢ ሃንቀውታ ይጽበየካ ኣሎ።

      ነታ ኣብ ዙርያ ኣርያ-ሪጎለ ክትዝንቢ ዝጸንሐት ናይ ዓወትካ ኩዕሶ፣ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሸቶ ንክትገብራ ዓንገረር ህዝቢ ኤርትራ ናባኻ ይኹሕኩሕ ኣሎ።  ከም ትማሊ ደምበ ኣለና፣ ሎሚ’ውን ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ምሳኻ ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ክሰርሕ ንነፍሱ ኣዐሚሩ ተበጊሱ ኣሎ። ንኺድ ንዝኣመነ፣ እቲ ጎልጎል ሜዳ’ዩ ጥራይ ተበገስ፤ እቲ ዕረ መዓር’ዩ ጥራይ ተዓገስ! እወ ንዝኣመነ ዘይከኣል ነገር የለን’ሞ ንኺድ ናብ ሰርቢ ሓርነት!!

                       ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ

                          ዓውቴና ሸክ ኣለቡ!

                        ካስል-ጀርመን 7 ጥቅምቲ 2012


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*


*

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>

Bubblecast plugin is not configured properly. Please, contact administrator.
Add video comment

Sponsor Advertisements

Buy Online

Donate Alena

Thank you for your donations.


Login Status

    You are not currently logged in.

    Username

    Password


Web Mail Login

Login Webmail

Sponsor Advertisements

Ad Code

Join with us


Sponsor Advertisements

Advertise Here

Alena Photos


Calendar


« July 2012 »
Su Mo Tu We Th Fr Sa
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12 13 14
15 16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27 28
29 30 31        


Login