Welcome to Our New Website: AlenaForever.org.

ክቡራንን ክቡራትን! ናብ ናጻ ሓድሽ መርበብ ወብ ሳይትና ኣለና ፎርኤቨር.ኦርግ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፣ ሰላም ንዓኹም ይኹን! ንቃልሲ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ጉጅለኡ ጭፍራ ህግደፍን ብዝምልከት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ሜዳ ን21 ዓመታት ጋም-ማን ካብ ምባል ዝግ ኢልካ ምሕሳብ ከድሊ ኢዩ።። ቅድም ቀዳድም ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዘሎ ህዝቢ ምትእስሳር ኣሎ’ዶ? ናብ ገገዛና እንኣትወሉ መፍትሕ ሒዝና’ዶ ኣሎና? ጽባሕ ብድሕሪ ቀብሪ ገበነኛ ኢሳይያስ ናብ ሃገር ኣብ እንኣትወሉ ግዜ ኣይኮነን’ዶ ብቀይሕ ምንጻፍ ተዓጂብና ፖለቲካዊ ስልጣን ክንሕዝ፣ ማይ ዘስትዩና ሰባት’ከ ንረክብ ዲና ኢልና ምሕሳብ ኣድላይ ይመስለና። ስለዚ ከም ሰአንሰለት ተተቲዕና ክንተኣሳሰር ግዜ ይጽወዓና ኣሎ።
ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2012 ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ፍሉይ ኣወዳድባ ከተኣታቱ ኢዩ።። ከም ወትሩ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ቅልጽሙ ኣልዒሉ ኣሎ፣ ደምበ ኣለና  ዓቕሙ  ብዘፍቅዶ  መሰረት ምስ ኩላቶም ኣባላቱ ክገብሮ ብዝጸንሐ  ርክብ ኣብዚ ዓመት እዚ ብሓድሽ ኣወዳድባ ፖለቲካዊ ውድብን ንጹር ሃገራዊ ፕሮግራምን ክብገስ ኢዩ።
ኣብ  ኣረዳድኣ  እዚ  ኣበሃህላ  እዚ ዕላማ ኣለና፤ ውድባትን ሰልፊታትን ከም ኣንቆራ ንህቢ ንምርባሕ ዘይኮነስ፤ ናብ ውሽጢ ሕመረት ቃልሲ  ህዝቢ  ኤርትራ ብምእታው  እጃሙ  ብተናጸልን ብሓባርን  ንምብርካት ካብ ዝብል ቅዱስ  ሓሳብ  ብምብጋስ ጥራይ ኢዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ወግዓዊ ልሳን ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና ኢዩ። መርበብ ሓበሬታ ኣለናፎርኤቨር ካብዚ  ዝመጽእ ዘሎ ቀረባ  ኣዋርሕ ምስ ኩላተን ኤርትራውያን ወብ ሳይታት ብምትሕብባር ኣብ ዜና፦ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራ፤ ከባቢናን ዓለምን፣ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ህዝብና ኣድሂቡ ናብ ከቢድ ስራሕ ክብገስ ኢዩ፣
ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተበላሸወ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድልዳል ኣብ ታሪኽ፣ ስነ-ጥበብን ላህጃን ኤርትራውያን ኣተኲሩ ናብ ህንጸት ሃገር ንምብጋስ ይሸባሸብ ኣሎ።
እዚ ወብ ሳይት እዚ ናትኩም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወብ  ሳይት’ዩ። ንምህብታሙን ፍረ ጻማ ኩላትና ድማ ህዝቢ ኤርትራ መታን ከስተማቕሮን፤ ኩላትኩም ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክእለት ዘለኩምን ዘለክንን በብዓቕምኹም ኢደይ-ኢድካ ክትብሉ ንላቦ። ‘ትንቢት ይመርሕ ልጓም ይገርሕ’ ከም ዝበሃል፤ ከምቲ ልጓም ንሰጋር በቕሊ ዝገርሕ፣ ትንቢተ-ሞት ኢሳይያስ ድማ ጋህዲ ክኸውን ኢዩ።
ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ብምኽንያት መገሻ፡ እዚ ሓድሽ ወብሳይት ደምበ ኣለና እዋናዊ ኣገልግሎት ክህብ ብዘይ ምኽኣሉ ይቕሬታ ንሓትት፡፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኩሉ ኣርእስቲ ዝድህስስ መደብና ከም ዝጅምር ግን ክንሕብር ንደሊ፡፡

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ደምበ ኣለና

መጋቢት 2012

 

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*


*

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>

Bubblecast plugin is not configured properly. Please, contact administrator.
Add video comment

Sponsor Advertisements

Buy Online

Donate Alena

Thank you for your donations.


Login Status

    You are not currently logged in.

    Username

    Password


Web Mail Login

Login Webmail

Sponsor Advertisements

Ad Code

Join with us


Sponsor Advertisements

Advertise Here

Alena Photos


Calendar


« May 2012 »
Su Mo Tu We Th Fr Sa
    1 2 3 4 5
6 7 8 9 10 11 12
13 14 15 16 17 18 19
20 21 22 23 24 25 26
27 28 29 30 31    


Login